ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ምስ ኮነ ከፈጽሞም ትጽቢት ዝግበሩ ወሰንቲ ጉዳያት እንታይ'ዮም?

ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ኣብቲ ሓያል ወጥሪ ክርኣዮ ዝጸንሐ መረጻ ኣመሪካ 2020 ፕሬዝደንት ንምዃን ዘኽእሎ ድምጺ ኢሌክቶራል ከም ዝረኸበ ተራጊጹ፡ ተዓዋቲ እቲ መረጻ ኮይኑ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ባይደን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ሓድሽ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ሕጽይቲ ምኽትል ፕሬዝደንት ኮይና ዝተወዳደረት ካማላ ሃሪስ'ውን ፈላመይቲ ጸላም ኣመሪካዊት ምኽትል ፕሬዝደንት ክትከውን እያ።

ወዲ 77 ዓመት ጆ ባይደን ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ፕሬዝደንት ኮይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ፔንሲልቫኒያ ክዕወት ብምኽኣሉ ልዕሊ እቲ ዘድልዮ 270 ድምጺ ኢሌክቶራል ምርካቡ ይእመን።

እንተኾነ፡ ካብ ተነሓናሒኡ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ናይ ሕጊ ምስሕሓባት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ይግመት።

ጆ ባይደን ኣብዚ ዓመት ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ክወዳደር እየ ክብል እንከሎ፡ ክልተ ነገራት ከም ዘዐውት ቃል ይኣቱ ነይሩ።

እታ ሃገር መሊስካ ምህናጽን ብምኽንያት ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተበታተነ "ብሄራዊ መንፈስ" ናብ ሓድነት ምምጻእን ኢሉ።

ኣመሪካ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘጋጥማ ዘሎ ዓሌታዊ ዘይማዕርነት፣ ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ምፍጣር፣ ኣብ ምክልኻል ክሌማዊ ለውጢ ዝተበጽሐ ስምምዕን ኦባማ ኬርን ናብ ቦትኦም ምምላስ ዝብሉን ካልኦት ዓለምለኻዊ ጉዳያትን ክፈትሕ'ውን ትጽቢት ይግበሮ።

እቲ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ ከዐውቶም ዝድለዩ 8 ነጥብታት እምበኣር እነሆ።

ኮሮናቫይረስ

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቀንዲ ጸላእን ስግኣት ህልውና ኣመሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ዩ። ጆ ባይደን ብቕልጡፍ ኩሎም ዜጋታት ናጻ መርመራ ከምዝረኽቡ ክገብር'ዩ። ነዚ ዘሳልጡ ድማ 100 ሽሕ ሰባት ክቐጽር'ዩ።

እዞም 100 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉን ዝተተናኸፉን ሰባት ኣሰር ክፈልዩ እዮም:: በዚ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምግታእ ጻዕሪ ክግበር እዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት ኣመሪካ 10 ማእከላት መርመራ ክኽፈቱ'ዮም። ኩሎም ኣመሓደርቲ እተን ግዝኣታት ድማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ከገድዱ'ዮም።

ኣመሪካ፡ ዘለውዋ ሰብ ሞያ ጥዕና ሕብረተሰብ ተጠቒማ ነዚ ቫይረስ ክትምክቶ'ያ ድማ ይብል ጆ ባይደን።

ዜጋታት ኣብ ሰዓት ዝኽፈሎም ዝተሓተ መጠን ክፍሊት ምውሳኽ

ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ንዝተተንከፉ ምንቅስቓሳት ንግዲ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝመልስዎ ልቓሕ ክወሃቦም እዩ።

ጽጉማት ስድራ ድማ ብቐጥታ ወርሓዊ ክፍሊት ክረኽቡ'ዮም፤ እዚ ማለት ሕጂ ካብ ዝረኽ ቡዎ ዘለው ተወሳኺ 200 ዶላር ክወሃብ'ዩ።

እቲ ዝተሓተ መጠን ክፍሊት ድማ ኣብ ሰዓት ናብ 15 ዶላር ክብ ክብል'ዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት 2 ትሪሊየን ዶላር ኢንቨስት ክገብር'ዩ።

እዚ ድማ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዓውዲ ንዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ዝሓቝፋ ማሕበራት ሸቃላይ ሕብረሰተብ ንክድልድላ ክሕግዝ'ዩ ይብል።

ምምሕያሽ ስርዓት ፍትሒ፣ ዓሌታውነት

ድሕሪ ቐትለት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብጸለምቲ ዝተበገሰ ብዙሓት ኣንጻር ዓሌትነት ዝቃለሱ ጸዓዱ ዝተሳተፉዎ ዓበይቲ ተቓውሞታት ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

ጆ ባይደን እቲ ቁጥዐ ይርድኣኒ'ዩ ኢሉ። ኣብ ኣመሪካ ዓሌታውነት እናሰረጸ ምምጽኡ ድማ ይኣምን።

እዚ ግን እቲ ስርዓት ፍትሒ ዘመናዊ ብምግባርን ኣብ ሕብረተሰብ ትኹረት ዝገበረ ልምዓት ብምምራሕን እዩ ክመሓየሽ ዝኽእል ይብል።

ስለዚ፡ "ቢዩልድ ባክ" ተባሂሉ ብዝጽዋዕ መርሃ ግብሪ ጆ ባይደን ንጸሊም ድኻ ሕብረሰተብ ምሕጋዝ፣ ተነጽሎ ንዘጋጠሞም ኣመሪካውያን ዕድል ምሃብ፣ ስራሕ ክፈጥሩን ናይ ባዕሎም እቶት ከምዝህልዎምን ክገብር ይሓስብ፤ ባይደን።

ነዚ ድማ፡ 30 ቢልዮን ዶላር ኣዳልየ ኣለኹ ኢሉ።

ናይ ሞት ፍርዲ ምትራፍን ሞት ንዝተፈረዶም ሰባት ምክልባትን ጠጠው ብምባል መሰላቶም ክሕሎን ፖሊስ ዝወስዶ ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ሓይሊ ጠጠው ንከብል ቃል ይኣቱ ኢሉ።

ናብ ስምምዕ ፓሪስ ክሌማዊ ለውጢ ምምላስ

ባይደን፡ ክሌማዊ ለውጢ ዓብዪ ስግኣት ዓለምና'ዩ ብምባል፡ ቐልጢፍካ ናብ ስምምዕ ፓሪስ ብምምላስ ኣብ ምንካይ ልቀት ካርቦን ትኹረት ክንገብር ኣለና ይብል።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ኣመሪካ ንጎኒ ብምግዳፍ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝብሃል የለን፤ "ሓሶት'ዩ" ኢሉ ከም ዝኣምን ይፍለጥ።

ዓለም ሕብረት እንተዘይኣርእያ መሬት ክትጭነቕ'ያ ኢሉ ዝኣምን ባይደን ግን፡ ልቀት በከልቲ ጋዛት ንምንካይ ክሰርሕ እየ ኢሉ ኣሎ።

ስምምዕ ፓሪስ ኣመሪካ ብ2025 ልቀት ካርበን ግሪንሃውስ ብ28 ሚኢታዊት ክትንኪ ከም ዝጠልብ ይዝከር።

ፈራሚት እዚ ስምምዕ ዝነበረት ኣመሪካ ግን ብውሳነ ትራምፕ ካብቲ ስምምዕ ወጺኣ እያ። ባይደን ድማ ናብቲ ዝፈረመትሉ ስምምዕ ክመልሳ እየ ይብል ኣሎ።

ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ድማ፡ ንቴክኖሎጂታትን ምህዞታትን ንሓምለዋይን ተሓዳሲ ሓይልን 1.7 ትሪሊየን ዶላር ክምድብ'የ ኢሉ።

ኣመሪካ ምስ ቻይናን ኔቶን ዘለዋ ርክብ ምምሕያሽ

ባይደን፡ ቐዳምነት ትኹረቱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ዘለዋ ርክባት ወጻኢ'ውን ዝሓዞ መደባት ከም ዘሎ ተዛሪቡ'ዩ።

ብምኽንያት ትራምፕ ምስ ኔቶ ዝጸንሐ ርክብ ስለ ዝሓርፈፈ ከመሓይሾ'የ ኢሉ።

ምስ ቻይና'ውን እንተኾነ ብምኽንያት ንግዲ ናብ ኲናት ካብ ምእታውን ንሓደ ወገን ጥራሕ ግብሪ ካብ ምውሳኽን ቻይና ዕሽሽ ምስ ዘይትብለን ካልኦት ሃገራት ጎናዊ ውህደት ብምፍጣር፡ ቻይና ቦትኣ ከምእትሕዝ ክገብር እየ ይብል።

እተን ቻይና ዕሽሽ ዘይትብለን ሃገራት ዝበለን ግን ብሽም ኣይረቑሐንን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኦባማ ኬር

ጆ ባይደን ምኽትል ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኦባማ ዝጀመሮ መድሕን ጥዕና ክቕጽል ድልየት ኣለዎ።

በዚ መድሕን ጥዕና 97 ሚኢታዊት ኣመሪካውያን ተጠቀምቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።

ባይደን፡ እዚ ናብ ቦትኡ ብምምላስ ካልኦት መድሕናት ጥዕና ከምዝውሰኹ ይዛረብ።

ፖሊሲታት ስደተኛታት ምኽላስ

ጆ ባይደን ኣብ መጀመርታ 100 መዓልታት ከፈጽሞም'የ ካብ ዝበሉዎም ነገራት እቲ ሓደ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሜክሲኮን ሓጹር ብምህናጽ ስድራቤታት ዝበታትን ፖሊሲ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝውገድ ምግባር እዩ ኢሉ።

እዚ ፖሊሲ፡ ኣደን ውሉድን ዝፈላለየ እዩ ብምባል ነቒፉዎ። ካብ እስላም ሃገራት ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ሰባት ዝእግድ ሕጊ ክለዓል'ውን ድልየት ኣለዎ።

ቖልዑት እናሃለው ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡ ድማ [ድሪመርስ ተባሂሎም ዝፍለጡ] ኦባማ ፍሉይ ሓለዋ መሰላት ገይሩሎም ነይሩ።

ዶናልድ ትራምፕ ግን ነዚ'ውን ኣልጊሱዎ ጸኒሑ'ዩ።

ጆ ባይደን ድማ ነቲ ኣብ እዋን ኦባማ ዝነበረ ፖሊስ ክቕጽሎ እየ ይብል ኣሎ። በዚ ድማ እቶም 'ድሪመርስ' ትምህርቲ ንክመሃሩ፣ ስራሕ ክረኽቡን ካልኦት መሰላቶም ክሕሎን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ትምህርቲ ብናጻ

ጆ ባይደን ሕጂ'ውን ፖሊሲታት ዶናልድ ትራምፕ ክኽለሱ ምግባር እዩ። እቲ ሓደ ፖሊሲ ትምህርቲ'ዩ።

ባይደን፡ ንዓመታት ዝጸንሐ ውንዙፍ ዕዳ ተመሃሮ ክስረዝ ይደሊ። ናጻ ትምህርቲ ዝህባ ኮሌጃት ድማ ክሰፍሓ መደብ ኣለዎ።

ካብ ኣጸደ ህጻናት ጀሚሩ ትምህርቲ ብናጻ ክዝርጋሕ ባህጊ ኣለዎ።

ነዚ ኹሉ ዝኸውን ገንዘብ ግን ካበይ'ዩ ከምጽእ?

ዶናልድ ትራምፕ ናይ ግብሪ ምሕረት ካብ ዝገበረሎም ሃብታማት ግብሪ ብምስላዕ ነዚ መደብ ኣብ ተግባር ከውዕሎ'የ ይብል ባይደን።

እዚ ኹሉ ዝኸውን ግን ኣብ መረጻ ኣመሪካ ምስ ዝዕወት'ዩ። እንተዘይኾይኑ፤ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዝቕጽል 4 ዓመታት ንኣመሪካ ክመርሓ እዩ።