ኣባል ሲኣይኤ ነበር ንቻይና ብምስላይ ተኸሲሱ

ቨ

ምንጪ ስእሊ, SAUL LOEB

ኣባል ስለያ ኣመሪካ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ በዓልመዚ፡ ምስ ዘመዱ ውዲት ብምእላምን ኣብ ሲኣይኤ እናሰርሐ ንቻይና ብምስላይን ብዝብል ተኸሲሱ።

ወዲ 67 ዓመት ኣሌክሳንደር ዩክ ቺንግ ማ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ከም ዝተኣሰረ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ናይ ምክልኻል ሃገር ሚስጥራዊ ሓበሬታ ብምቅላዕ፡ ንቻይናውያን ሰብመዚ ኣሕሊፉ ሂቡ ብዝብልን ድማ ተኸሲሱ ኣሎ።

ኣብ 1982 ኣቆፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ምስ ሲኣይኤ ምስራሕ ዝጀመረ ቺንግ ማ፡ ኣብ ከተማ ሆንግ ኮንግ ዝተወለደ ኣሜሪካዊ ዜጋ እዩ።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ግና ካብ ሲኣይኤ ብምልቃቕ፡ ኣብ ቻይናዊት ከተማ ሻንግሃይ ከም ዝሰርሐን፡ ኣብ 2001 ድማ ከተማ ሃዋይ ከምዝቐየረን ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊፆም።

ማን ዘመዱን ንዓሰርተ ዓመታት ንቻይና ከምዝሰለዩ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ ብዛዕባ "ሰራሕተኛታት ሲኣይኤ፣ ስርሒታትን ርክባት ዝስወርሉ ስልትን" ዝገልፅ ሓበሬታ ኣሕሊፎም ከምዝሃቡ ተገሊፁ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2001 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እዚ ውዲት ከምዝጀመረ ዝገልፁ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ክልተ ሰብመዚ ሲኣይኤ ኣብ ሆንግኮንግ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ፍልጠቶም ካብ ዘካፈልሉ ሰዓት ጀሚሩ፡ ንመሳርሕቶም ንምክሓድ ሰረት ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝተኻየደ ኣኼባ ብቪድዮ ከምዝተቐድሓን፡ ኣሌክሳንደር ዩክ ቺንግ ማ፡ 50 ዶላር ኣመሪካ ክቖጽር ዘርኢ ምስሊ ከምዘሎ እቲ ዝወጽኣ ሓበሬታ ይገልጽ።

ሎሚ ሰሉስ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐርብ ማ፡ ገበነኛ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ፡ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረዶ እዩ።

ኣሌክሳንደር ዩክ ቺንግ ማ ንምእሳር፡ ንምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ግዘ ወሲዱ ዝብል ግና ንፁር ኣይኮነን ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓደ ሲንጋፖራዊ ንቻይና ትስሊ ነይርካ ብዝብል ገበነኛ ከምዝተብሃለ ይዝከር።