ሞሪሸስ፡ ካፒተን ናይታ ነዳዲ ዘፍሰሰት መርከብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ኣብ ክልተ ዝተገምዐት መርከብ ኤምቪ ዋካሽዮ

ምንጪ ስእሊ, National Crisis Committee

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ክልተ ዝተገምዐት መርከብ ኤምቪ ዋካሽዮ

ካፒቴን ናይታ ኣብ ገማግም ሞውሪሸስ ኣማኢት ቶናት ነዳዲ ዘፍሰሰት መርከብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ወዲ 58 ዓመት ህንዳዊ ሳኒል ኩማር ናንደሽዋር፡ ውሕስነት ጉዕዞ ባሕሪ 'ኣብ ሓደጋ ኣእቲኻ' ዝብል ክሲ ከም ዝተመስረቶ ፖሊስ ሓቢሩ። ንሱ ግና ዝሃቦ ምላሽ የለን።

እታ ኤምቪ ዋካሽዮ ዝተሰምየት 4ሽሕ ቶን ነዳደኒ ጽዒና ዝነበረት መርከብ፡ ብ 25 ሓምለ እያ ዕምበባ ባሕሪ ኣብ ዘለዎ ባይታ፡ ኣብ ከባቢ ፖንት ደኤስኒ ተሸኺላ።

እቲ ከባቢ ሳሕቲ ዝርከቡ ዓሳታት ዝረኣዩሉ ስፍራ እዩ።

ካፒቴን ናንደሽዋር፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ሎዊስ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ ክምስረተሉ ከሎ፡ ክሳብ ዝቕጽል ቆጸርኡ- 25 ነሓሰ፡ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ እዩ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ መዓልቲ፡ ኣብታ መርከብ ዕለተ ልደት ናይ ሐደ ኣባል ንምጽምባል ፌስታ ከም ዝነበረ፡ ፖሊስ ካብ ኣባላት እታ መርከብ ሓበሬታ ምርካቡ ሓቢሩ።

ካልኦት ምንጭታት ግና እታ መርከብ፡ ናይ ስልኪ ኣልቦ ኢንተርነት (ዋይፋይ) ሲግናል ንምርካብ ኣዝያ ናብቲ ወደብ ከም ዝተጸግዐት ይገልጹ።

ብጃፓናዊ እትውነን መርከብ ኤምቪ ዋካሽዮ፡ ከባቢ 1ሽሕ ቶን ነዳዲ ናብቲ ባሕሪ ኣፍሲሳ ኣላ።

እታ መርከብ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ክልተ ክትግማዕ ከላ፡ እቲ ናይ ቅድሚት ክፋላ ካብቲ ገማግም ይሰሓብ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ,

እታ መርከብ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ዘርእይ ቪድዮ

እቲ ከባቢ 90 ቶን ነዳዲ ከም ዘለዎ ዝግለጽ ዳሕረዋይ ክፋላ ግና ጌና ኣብቲ ባይታ ተሸኺሉ ይርከብ።

እቲ ባሕሪ ህዱእ ዘይምዃኑ፡ ነቲ ኣብታ መርከብ ተሪፉ ዘሎ ነዳዲ ንምውጻእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ገይርዎ ከም ዘሎ፤ ሃገራዊ ኮሚተ ኩነት ቅልውላው ገሊጹ።

ሞውሪሸስ ናይቲ ላሕዂ ካሕሳ ካብ "ወናንን ትካል መድህን እታ መርከብን" ክትሓትት ከላ፡ ጃፓናዊ ኩባንያ ናጋሺኪ ካሕሳ ክህብ ምዃኑ ተመባጺዑ።

ነቲ ዝለሓኾ ነዳዲ ኣብ ምጽራይ ዝዋፈሩ ጃፓናውያን ክኢላታት ረቡዕ ናብ ሞውሪሸስ ክኣትው ምዃኖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሞውሪሸስ ፕራቪንድ ጃግናውስ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ህጹጽ እዋን ሐደጋ ክእውጅ ከሎ፡ ንኣህጉራዊ ሓገዝ ጻውዒት ገይሩ ነይሩ።