ዶናልድ ትራምፕ፡ 'ዲሞክራትስ ድምጺ ክሰርቁ እዮም'

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ሕዳር ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምትላል ከይፍጸሞ ስግኣት ከምዝሓደሮ ተዛሪቡ።

ተነሓናሕቱ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራት፡ 'ሳንዱቕ መረጻ ገልቢጦም፡ ካርዲ ክሰርቁ ይኽእሉ እዮም' ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት እዚ ዝበለ፡ ኣብ ቅድሚ: ደገፍቱ ዝተዓደምሉ ኣብ ዓብዪ ኣዳራሽ ዝካየድ ጉባኤ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ትማሊ ናይቲ ሰልፊ ሕጹይ ተዋዳዳሪ ኾይኑ ብዕሊ ዝተሰየመ ትራምፕ፡ ኣብ ሕዳር ንዝካየድ መረጻ ካብ ብኣግኡ ምትላል ክፍጸሞ ከምዝኽእል ንደገፍቱ ገሊጹ።

ትራምፕ፡ ኣብቲ ዕለት ገለ ኣሰከፍቲ ዘረባታት ዘስመዐ ኾይኑ፡ ብፍላይ ድማ ከምዚ ክብል ተሰሚዑ።

"ዲሞክራታስ ኮቪድ-19 ተጠቒሞም ንህዝቢ ኣመሪካ ከታልልዎ ይኽእሉ እዮም" ብምባል፡ ተነሓናሕቱ ከሲሱ።

ትራምፕ ነዚ ክሲ ከቕርብ ዝኸኣለ መንቀሊኡ፡ ብፖስታ ኣቢልካ ዝወሃብ ድምጺ ንምትላል ዝተመቸወ እዩ ካብ ዝብል ስግኣት እዩ።

እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ጉባኤ ሰልፊ ሪፐብሊካን፡ ኣብ ግዝኣት ኖርዝ ኮሮላይና፡ ከተማ ሻርለት እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ቅድሚ እቲ መረጻ ይካየዱ ዘለዉ፡ ዳህሳሳት ከምዘርእይዎ፡ ትራምፕ ካብ ተነሓናሒኡ ጆ ባይደን ዝተሓተ ቅቡልነት እዩ ዘለዎ። ብ10 ነጥቢ እናተመርሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ሰልፊ ዲሞክራት፡ ክስዕር ዝኽእል እንተኣታሊሎም ጥራሕ ምዃኖም ዝዛረብ ትራምፕ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት'ውን ብ፡ ኣብ ልዕሊ ሂላሪ ክሊንተን ተመሳሳሊ ክሲ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሰብ ሞያ ግን፡ እቲ ትራምፕ ዝዛረቦ ዘሎ መትሓዝን መጨበጥን ዘይብሉ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንት ግን፡ ኣብቲ መድረኽ፡ ዘረብኡ እናቋረጹ፡ 'ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ዓመታት ንዓኻ' ክብሉ ተሰሚዖም።

ንነዊሕ ዓመት ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ድሌት ከምዘለዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዘአንፈተ ትራምፕ፡ "ንዲሞክራተስ ክተጸልልዎም እንተደሊኹም፡ ኣርባዕተ ዓመታት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ 12 ዓመታት እናበልኩም ክኾን ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ።

ብመሰረት ሕገ- መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓደ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝኽእል ንክልተ ናይ ስልጣን ዘመን ወይ ድማ ን8 ዓመታት ጥራሕ እዩ።

ትራምፕ፡ 12 ዓመት ኢሉ ዝተዛረቦ ግን ካብ ልቡ ይኹን ንጸዋታ ኣይተፈለጠን።