መረጻ 2020፡ ሚላንያ ትራምፕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዓሌታዊ ውህደት ክመጽእ ጸዊዓ

ቀዳመይቲ እመቤት ሜሌና ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ሓድነት ክመጽእ ተማሕጺና።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳመይቲ እመቤት ሚላንያ ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ሓድነት ክመጽእ ተማሕጺና።

ኣብ ዊስካንሶን፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ተኵሱ ምስ ሃረሞ ብዝተላዕለ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ኣመልኪታ "ጎንጽን ዝምታን ጠጠው ይበል" ክትብል ተዛሪባ።

ኣሜሪካውያን ብዓሌት ካብ ምሕሳብ ብዛዕባ ታሪኽ ኣሜሪካ ክሓስቡ ኣለዎም ዝበለት ሚላንያ ትራምፕ፡ "ከምቲ ኩላትኩም ኣነ'ውን ብዛዕባ እቱ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓሌታዊ ዘይምርጋእ የሕስበኒ'ዩ። ብኹሉ ታሪኽ ሃገርና ዘይንኾርዕ ምዃንና መሪር ሓቂ'ዩ። ግን ድማ ካብቲ ሕሉፍ ተማሂርኩም ኣብ መጻኢ ከተተኩሩ የተባብዕ" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ብሽም ጠለብ ፍትሒ ዘጋጥም ዘሎ ናዕብን ዝምታን ጠጠው ክብል ይሓትት፤ ሰብ ድማ ብሕብሪ ቖርበቱ ምግማት የብቅዕ" ክትብል ኣብቲ ካብ ቤተ መንግስቲ ኮይና ብቀጥታ ዝሃበቶ መግለጺ ተዛሪባ።

እቲ ትማሊ ዝተኻየደ መግለጺ፡ ብሰንበት ኣብ ዊስካንሶን ፖሊስ ብድሕሪቱ ብተደጋጋሚ ብጥይት ተኲሱ ንዝሃረሞ ወዲ 29 ዓመት ጃኮብ ብላክ ንዝተባህለ ጸሊም ኣመሪካዊ ጸሎት ብምግባር እዩ ተጀሚሩ።

ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ምስ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ክወዳደር እዩ።

ቀዳመይቲ እመቤት ሚላንያ ትራምፕ ድማ ኣብቲ ትማሊ ዘስምዓቶ ዘረባ "ስምዒቱ ዘይሓብእ ሰብ'ዩ" ክትብል ንኢዳቶ።

"ኩላትና ካብ ፕሬዝደንት እንደልዮ ነገር ሙሉእ ቅንዕና'ዩ። ብዛዕባ ሚዲያታት ዝፈጥርኦ ናይ ሓሶት ወይ ግጉይ ዜናታት ብዘየገድስ፡ ዶናልድ ትራምፕ ግን ናታትኹም ትኹረት ስኢኑ'ውን ኣይፈልጥን ኣይስእንን'ውን" ኢላ ኣመጒሳቶ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ "ዶናልድ ትራምፕ ሃገሩ ዝፈቱን እንታይ ከመይ ይስራሕ ዝፈልጥን'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ።

ይኹን'ምበር፡ እታ ቀዳመይቲ እመቤት ወጺኣ ዝተዛረበትሉ ቦታ ንብረት መንግስቲ ብኣግባቡ ዘይተመሓደረሉ መአከቢ ቦታ'ዩ ብምባል ንዴሞክራት ኣቐጢዑ'ዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ናይ ትማሊ ፕሮግራም ደቁ ንዶናልድ ትራምፕ ሓዊሱ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮን ገለ ኣባላት ዴሞክራትን ርኢይቶ ሂቦም'ዮም።

እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካብ እስራኤል ብዝተቐድሐ ምስሊ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ 'ቀዳምነት ንኣሜሪካ' ዝብል ራእዩ ኣብ ግብሪ ዘውዓለ ሰብ'ዩ። ኣብ ኩሉ ነገር ፍሉጥ ዘይኾነ ክኸውን ይኽእል'ዩ ግን ድማ ሰሪሑ'ዩ" ኢሉ።

ትራምፕ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበረ ምትፍናን ኣህዲኡ፣ ዕጡቓት እስላማዊ ጉጅለ ክጠፍኡ ገይሩን ቻይና "ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምሕባእ ተሓታቲት ገይሩን" ክብል'ውን ንኢዱዎ። ብኣንጻሩ ኣባላት ዴሞክራት እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ምክልኻል ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝንኣድ ስራሕ ኣይሰርሐን ብዝብል ነቒፎምዎ።

ኮቪድ-19 ልዕሊ 177 ሽሕ ኣመሪካውያን ክሞቱ ምኽንያት ከም ዝኾነ ብምጥቃስ ነዚ ፕሬዝደንት ትራምፕ ተሓታቲ'ዩ ኢሎም።

ምኽትል ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ኣልጎሬ ትራምፕ "እግሩ ኣብ ኽሳድ ዴሞክራሲ ከቐምጥ" ዝፈተነ መራሒ'ዩ ብምባል ነቒፍዎ።

ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ መወዳእታ መደርኡ ጽባሕ ሓሙስ ከቕርብ እዩ።