አመሪካ፡ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ናዕቢ ዊስኮንስን ክልተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም

ናዕቢ ከተማ ኬኖሻ ዊስኮንስን ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዊስኮንስን ከተማ ኬኖሻ ንሳልሳይ መዓልቲ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ናዕቢ ብጥይት ካብ ዝተሃረሙ ሰለስተ ሰባት ክልተ ክሞቱ እንከለው፡ ሓደ ቆሲሉ።

ሰልፈኛታት ምስ ዕጡቓት ሓለውቲ ሓደ መዐደሊ ነዳዲ ብምግጫዎም ጎንጺ ከም ዝተልዓለ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ከባቢ ጸብጺበን።

ብሰንበት ጄኮብ ብሌክ ዝተባህለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጠያይቲ ብጽኑዕ ድሕሪ ምቑሳሉ እዩ ኣብታ ከተማ ናዕቢ ተላዒሉ።

ፖሊስ ኬኖሻ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰሉስ ምሸት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖን ምላሽ ከም ዝሃበን ሓቢሩ።

"በቲ ቶኽሲ ክልተ ሰባት ሞይቶም፡ ሳልሳይ ብጽኑዕ ግናኸ ናብ ሞት ብዘየብጽሕ ዝቖሰለ ሰብ ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ" ኢሉ።

መንነት እቶም ሰባት ጌና ይጻረይ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለጺ መርመራ ተጀሚሩ ከም ዘሎን ካልእ ዝወሃብ ዝኾነ ተወሳኺ ሓበሬታ ከም ዘየሎን ገሊጹ።

ኣዛዚ ፖሊስ እታ ኣውራጃ ዴቪድ በዝ ኣቐዲሙ ንኒውዮርክ ታየምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መርመራ ኣብቶም ብረት ሒዞም ኣብ ከባቢ እቲ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ከተኩር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ንሓደ ብረት ዝሓዘ ሰብ፡ እኩባት ሰባት ከጓይይዎ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ወደቐ ተደጋጋሚ ጠያይቲ ክቱክሰሎም ከሎ ይርአ።

ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ብረት ዝሓዙ፡ ወትሃደራዊ ልብሲ ዝገበሩ ሰባት ንሓለዋ ምዃኖም እናገለጹ ኣብ ኣፍደገ ትካላት ክተኣኻኸቡ ከለው ይራኣዩ።

እቲ ብሓደ ኣባል ፖሊስ ሸውዓተ ግዜ ብጥይት ዝተሃርመ ጸሊም ኣመሪካዊ ዳግም ክንቀሳቐስ "ተኣምር" ክድሊ እዩ ክብል ጠበቓ ስድራቤት ጄኮብ ብሌክ ተዛሪቡ።

ጠበቓ ስድራ ወዲ 29 ዓመት ጄኮብ ብሌክ፡ ወላ እኳ ጃኮብ ብህይወት እንተተረፈ ዳግም ጠጠው ኢሉ ንክኸይድ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ መንእሰይ ጸሊም ኣመሪካዊ ኣብ ግዝኣት ዊስኮንስን ከተማ ኬኔሾ መኪንኡ ከፊቱ ክኣቱ ክብል ብድሕሪት ፖሊስ ብጥይት ምስ ሃረሞ እዩ ጉድኣት በጺሑዎ።

ካብተን ኣብ ዝባኑ ዝተተኮሳ ጠያይቲ እታ ሓንቲ ኣብ ዓንዲ ሑቕኡ ኣትያ ከም ዝተረፈት ይግለጽ'ሎ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ገለ ከተማታት ኣመሪካ ናዕቢ ዝተላዕለን፡ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ናብ ከተማ ኬኔሾ ፍሉይ ሓይሊ ክኣቱ ከምዝኣዘዘን ተገሊጹ።

ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ጃኮብ ደጋጊሙ ክትኩስ እንከሎ ኣብ ውሽጢ መኪና ኾይኑ ዝርኢ ዝነበረ ንኡሽቶ ቖልዓ ዝርኣዩ ሰባት ድማ ዝያዳ በቲ ተግባር ክቑጥዑ ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ጃኮብ ብምኽንያት እቲ ካብ ፖሊስ ዝተተኮሰሉ ጠያይቲ ድሕሪ ሕጂ ጠጠው ኢሉ ክኸይድ ከም ዘይኽእል ክግለጽ እንከሎ፡ ብተወሳኺ ኩሊቱን ጸላም ከብዱን ተጎዲኡ'ዩ።

ሓካይም መዓናጥኡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ስለ ዝኾኑ ክእለዩ ኣለዎም ኢሎም ኣለው።

ወላዲት ጃኮብ ጁሊያ ጃክሰን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ወዳ "ንህይወቱ ይቓለስ ኣሎ። ግን ድማ ብምኽንያት እቲ ዝበጽሖ ጉድኣት ካልኦት መናእሰያት ዝምታን ዕንወትን የውርዱ ኣለው ዝብል እንተሰሚዑ ዝሕጎስ ኣይመስለንን" ኢላ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ከተማ ብዝተላዕለ ናዕቢ ብርክት ዝበላ መካይን ተቓጺለን፣ ኣባይቲ'ውን ነዲዶም'ዮም። እዚ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ናዕቢ'ዩ።

ኣመሓዳሪ ቶኒ ኤቨርስ ተወሳኺ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ከተማ ኬኖሻ ከም ዝልእኽ ተዛሪቡ ኣሎ።

እዞም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፡ ትካላትን ንብረትን መንግስቲ ሓደጋ ከይበጽሖም ክሕልው'ዮም። ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ድማ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ኣሎ።

ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ሚኒሶታ ብጸዓዱ ፖሊስ ክሳዱ ተሓኒቑ ምስ ሞተ ዓለምለኻዊ ናዕቢ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ይዝከር።