ቻይና፡ ‘ማልዌር’ ዝተባህለ ቫይረስ ዝተጽዓና ቴሌፎናት ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪቃ ሸይጣ

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ቴሌፎናት ቴክኖ ደብሊው2 ተህዋስያን ዝተጽዓነን ኾይነን ተረኺበን

ምንጪ ስእሊ, Tecno

ቻይና ናይ ኮምፒዩተር ቫይረስ ዝተገጠመለን ብኣሽሓት ዝቑፀራ ቴሌፎናት ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝሸጠት ኣፕስትሪም ዝተባህለ ትካል ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብፂ፣ ጋናን ደቡብ ኣፍሪቃን ናይ ኮምፒዩተር ቫይረስ ዝተገጠመለን 53 ሽሕ ቴክኖ ደብሊው2 [W2] ቴሌፎናት ከም ዝተሸጣ ሓቢሩ።

መፍረይ ቴሌፎናት ቴክኖ ዝኾነ ትካል ትራንዚሽን ግና እቲ ታሕዋስ ካብ ኣፍልጦ እቲ ትካል ወፃኢ ከም ዝተገጠመ ገሊጹ።

ተመሳሳልቲ ታሕዋሳት ብምቅላዕ ዝፍለጥ ኣፕስትሪም ግና በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን።

ሓላፊ ትካል ኣፕስትሪም ጄፍሪ ክሊቭስ "ኩባኒያ ቴክኖ፡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝገዝእወን ሞባይላትቫይረስ ማልዌር ክግጠም ምግባሩ፡ እቲ ኣፍራይ ትካል መሰል ሰባት ይጥሕስ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ" ክብል ከሲሱ።

ቫይረስ ማልዌር ኣብ እትጥቀመሉ ፍርያት ቴሌፎን ወይ ኮምፒዩተር ተሓቢኡ ዝቕመጥ ቫይረስ ኮይኑ እቲ ኣቕሓ ስርሑ ኣብ ዝዓየሉ እዋን ናብቲ ውልቀሰብ ዝተልኣኹ መልእክታት ወይ ሓበሬታታት ንምስራቕ ዝውዕል'ዩ።

'ትሪያዳ' ዝበሃል ቫይረስ ድማ ኣብ ኣንድሮይድ ተንቀሳቐስቲ ስልኪ (ሞባይል) ዝግጠም እንትኸውን፡ 'ኤክስሄልፐር' ዝበሃል ኮድ ብምጥቃም ድማ፡ ብዘይፍቓድ ተጠቀምቲ ዝደለዮ ኩሉ ዝገብር እዩ።

ትካል ኣፕስትሪም ብዘይፍቓድ ተጠቀምቲ 'ሰብስክራይብ' ዝኾና ልዕሊ 200 ሽሕ ቴክኖ ሞባይላት፡ ካብቲ ዘጠራጥር ኣገልግሎት ንክወፅኣ ኣኽኢሉ እዩ።

ትካል መፍረይ ሞባይል ትራንዚሽን ሆልዲንግስ ኣብ ቻይና ካብ ሞንጎ ዘለዉ ዓበይቲ ትካላት ኮይኑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ቁፅሪ ሓደ ዓደግቲ ፍርያታት እዚ ትካል እየን።

ኩባኒያ ቴክኖ ግን፡ እዚ ጉዳይ ኣብ 2018 ዝተፈታሕኩዎ ጸገም'ዩ ኢሉ።

እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ፅሑፍ መግለፂ፡ ተጠቀምቲ 'ቴክኖ W2' ዘለዎም ከምዚ ዝኣመሰለ ፀገም ንከየጋጥሞም ክጽዕንዎ ዝግባእ ዘውሕስ ኣፕልኬሽን ከም ዘሎን፡ ቴክኖ ናብ ዝሽየጠሉ ትካል መጺኦም ድማ ክሓቱ ከም ዝኽእሉን ሓቢሩ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት እውን ካልእ ትካል ተመሳሳሊ ጸገም ዘለወን 'UMX U686CL' ዝተብሃላ ናይ ቻይና ተንቀሳቐስቲ ስልኪ (ሞባይል) ኣቃሊዑ እዩ።

ሞባይል 'UMX U686CL' ኣብ ኣሜሪካ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት ብመንግስቲ ከም ዝተኸፋፈለ ይዝከር።

ኣብ 2016 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ድማ፡ ተመራማሪ ራያን ጆንሰን፡ ኣብ 700 ሚልየን ሞባይል ኣንድሮይድ ማልዌር ((ናይ ኮምፒዩተር ቫይረስ) ከምዝተገጠመን ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።

እዚ ካብ ኣፍልጦ ተጠቀምቲ ወጻኢ ኣብ ሞባይላትን ካልኦት ቴክኖሎጅታትን ዝግጠም ማልዌር፡ መረዳእታት ካብ ምጉሕጓሕ ሓሊፉ ስልክታትን ኮምፒዩተራትን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብር ይኽእል እዩ።