ሊዮኔል ሜሲ፡ ካብ ባርሴሎና ክወጽእ ሕቶ ኣቕሪቡ

ሊዮኔል መሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውሩይ ኣጥቃዓይ ጋንታ ባርሴሎና ሊዮኔል ሜሲ፡ ካብዚ ክረምቲ ካብታ ጋንታ ክሰጋከር ሕቶ ኣቕሪቡ።

እቲ ወዲ 33 ዓመት ኣጥቃዓይ፡ ቀልጢፉ ብናጻ ካብታ ክለብ ክወጽእ ከምዝደሊ ብሰሉስ ናብታ ክለብ ኣብ ዝለኣኾ ፋክስ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ባርሴሎና 16 ነሓሰ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን ሙኒክ ኣብ ዝነበራ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ፡ 8-2 ከምዝተስዓረት ዝዝከር እዩ፡፡

ኣብ 2004 ናብ ባርሴሎና ዝተጸምበረ ሊዮኔል ሜሲ፡ ኣርባዕተ ግዘ ተዓዋቲ ሻምፒዮንስ ሊግ ኮይኑ እዩ፡፡

ኣብ ቀረባ ምስታ ጋንታ ዝነበሮ ውዕል ዝወደአ ሜሲ፡ ክሳብ 2021 ዘጽነሖ ውዕል 700 ሚልዮን ዩሮ ፈሪሙ ነይሩ፡፡

ሕቶ እቲ ተጻዋታይ፡ ብምኽንያት ምልቃቕ ፕረዚደንት እታ ጋንታ ጆሲፕ ማርያ ባርቶሚዩ፡ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ክደናጎ ከምዝኽእል ዝግመት ኮይኑ፡ ንሱ ግን ካብታ ጋንታ ክወጽእ ከምዝወሰነ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ወረ ምስተሰምዐ፡ ደገፍቲ ባርሳ ነቲ ናይታ ጋንታ ናይ ጎል ክብረ ወሰን ዝጨበጠ ሜሲ ብምድጋፍን ንምምሕዳር እታ ጋንታ ብምቅዋምን ኣብ ደገ ካምፕ ኑ ሰልፊ ገይሮም፡፡

እታ ጋንታን እቲ ተጻዋትን ናብ ክሲ ከምርሑ ከምዝኽእሉ'ውን ትጽቢት ይግበር፡፡

ኣርጀንቲናዊ ሊዮኔል ሜሲ፡ ቅድሚ 10 ሰነ ብፍቓዱ ካብታ ጋንታ ክለቅቕ እንተደልዩ፡ ብነጻ ክወጽእ ከምዝኽእል ኣብ ውዕሉ ተጠቒሱ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና እታ ጋንታ እቲ ውዕል ተግባራዊ ዝኾነሉ እዋን ከምዝሓለፈ እያ እትኣምን፤ ሜሲን ደቂ ጋንትኡን ግና እቲ ውዕል እቲ ሊግ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ክሳብ ዝተናወሐሉ ወርሒ ነሓሰ ተግባራዊ ክኸውን ከምዘለዎ ይገልጹ፡፡

ኣባል እታ ጋንታ ዝነበረ ካርሎስ ፒዮን ንሜሲ ከምዝድግፍ ኣብ ትዊተር ገሊጹ ኣሎ፡፡ እታ ጋንታን ሜስን ናብ ሕጊ እንተዳኣ ኣምሪሖም፡ እታ ጋንታ ከምእትስዕር ጠበቓታት ሓቢሮም ኣለው።

ውዕሉ ምስ ተወደኣ ናብ ሓደ ዓመት ዝቐረዮ ሊዮኔል ሜሲ፡ ዋላ ባርሳ ካብታ ቀጺላ እተፈርሞ ጋንታ ብዙሕ መሰጋገሪ ገንዘብ እንተሓተተት፡ ዘጨንቖ ከምዘይመስልን ናቱ ድልየት ካብታ ጋንታ ምውጻእ ከምዝኾነን እዩ ዝግለጽ ዘሎ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ጋንታ ዘጋጠሙ ነገራት፡ ናይቲ ተጻዋታይ ካብታ ጋንታ ናይ ምውጻእ ድልየት ክውስኽ ገይሮምዎ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት፡፡

ሓዱሽ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ሮናልድ ኮማን ኣባል እታ ጋንታ ንዝኾነ ልዊስ ስዋሬዝ፡ ክልተ ደቕቓ ኣብዘይመልእ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ኣብታ ጋንታ ከምዘይድለ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ሊዮኔል ሜሲ ኣብቲ ምምሕዳር ዘለዎ ኣረኣእያ ክቕየር ገይሩዎ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ይዝረብ፡፡

ብተመሳሳሊ ናይ ነይማር ናብታ ጋንታ ምምላስ፣ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ዝነበረ ኢርነስቶ ቨልቫርዴ ክቕጽል፣ ግሪዝማን ናብታ ጋንታ ምምጽኡ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ነታ ጋንታ ዝሃቦም ሓሳባት ተቐባልነት ዘይምርካቦም ካልኦት ተወሰኽቲ ምኽንያታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተንተንቲ ይገልጹ፡፡

ክብረ ወሰናት ሊዮኔል ሜሲ

ሜሲ ኣብ 2000 ዓ.ም ወዲ 13 ዓመት እንከሎ እዩ ካብ ኣርጀንቲናዊት ክለብ ነወልስ ኦልድ ቦይስ ናብ ባርሳ ተጸንቢሩ።

ሊዮኔል ሜሲ፡ ኣብ 731 ግጥማት ተሰሊፉ ኣብታ ክልብ ዝለዓለ ክብረ ወሰን ዝኾነ 634 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡፡ ምስታ ጋንታ ኮይኑ ዓሰርተ ናይ ላሊጋን ኣርባዕተ ሻምፒዮንስ ሊግን ሓዊሱ 34 ጽዋዓት እውን ኣልዒሉ እዩ፡፡

ብተወሳኺ

  • ኣብ ላሊጋ ዝለዓለ በዝሒ ሸቶ ዘመዝገበ (444)
  • ዝበዝሐ ናይ ሽልማት ባሎንስ ዶርን ናይ ፊፋ ተጻዋታይ እቲ ዓመት ሽልማት (6)
  • ኣብ ግጥም ኩለን ጋንታታት ዝለዓለ ናይቲ ዓመት ሽቶ መቑጽሪ (79 ሽቶታት ኣብ 2012 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ)
  • ኣብ 10 ተኸታተልቲ ወቕቲታት ልዕሊ 40 ሸቶታት ዘቑጸረ ብሕታዊ ተጻዋቲ
  • ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ምስ ሓደ ጋንታ ኮይኑ ዝተቖጸረ ዝበዘሐ ሽቶ (115)