ኢትዮጵያ: ኣብ ዞባ ምብራቕ ባሌ ዝተመረዘ ማይ ዝሰተያ ልዕሊ 100 ኣጣል ሞይተን

ዝሞታ ኣጣል

ምንጪ ስእሊ, HASANNUR IBRAHIM

ኣብ ዞባ ምብራቕ ባሌ ዝተመረዘ ማይ ዝሰተያ ልዕሊ 100 ኣጣል ክሞታ እንከለዋ፡ ሸሞንተ ሰባት ሓሚሞም ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝተዋህቦም ነበርቲ እቲ ኣከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ወረዳ ራይቱ፡ ቀበሌ ሃረዱቤ: ዝተመረዘ ማይ ካብ ዝሰተያ ልዕሊ 500 ኣጣል 102 ከም ዝሞታ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።

ነባሪ እቲ ቀበሌ ዝኾነ ኣቶ ዑመር ኣብዱላሂ፡ እቲ ከባቢ ምድረበዳዊ ብምዃኑ፡ ንሰብ ኮነ ንእንስሳ ዝስተይ ማይ ካብ ዒላ ዝግለል ምዃኑ ሓቢሩ።

ማይ ካብ ዓሚቕ ብገመድ እናገለልካ ምጥቃም ካብ "ጥንቲ" ክጥቀሙሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ዑመር፡ "ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግና፡ ቅድሚ ሕጂ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ እዩ ኣጋጢሙና፤ 97 ኣጣል ነቲ ማይ ምስ ሰተያ ሽዑ ንሽዑ ሞይተን" ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

እተን ሓሙሽተ ድማ ናብ ማእከል ሕክምና እንስሳታት ምስ በጽሓ ከም ዝሞታ ሓቢሩ።

ብዘይካ እተን ኣጣል ካብቲ ማይ ዝሰተዩ፡ ሸሞንተ ሰባት'ውን ሓሚሞም ምንባሮም ገሊጹ።

እቶም ሸሞንተ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይሩሎም ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘለው ዝገለጸ ኣቶ ዑመር፡ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢምዎም ከም ዘይፈልጥ ይገልጽ።

እቲ ጠንቂ ክኸውን ዝኽእል ክልተ ነገራት ምዃኖም ዝዛረብ ኣቶ ዑመር "ሓደ፡ ከም ተመን ዝኣመሰለ መርዛም እንስሳ ናብቲ ማይ ኣትዩ ክኸውን ይኽእል፤ ካልእ ድማ ኣብ ዶብ ስለ እንነብር፡ በዚ ማይ ድማ ብተደጋጋሚ ጎንጽታት የጋጥሙ እዮም። ምናልባት ሰባት መሪዞምዎ ክኸውን ይኽእል" ዝብል ጥርጣረ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዝተሓተተ ምክትል ኣመሓዳሪ ራይቱ ወረዳ ኣቶ ሽብሩ ኣደሬ፡ እቲ ዒላ ብኸመይ ከም ዝተመረዘ ንምጽራይ ቅምሶ ናብ ላቦራቶሪ እንስሳታት ከተማ ኣሰላ፡ ከም ዝተላእኸ ገሊጹ። ኣብ ዞባ