ኣብ ኣዲስ ኣበባ ባኒ ብነጻ ክዕደል ምዃኑ ተሓቢሩ

ፋብሪካ መሰንከቲ ባኒ

ምንጪ ስእሊ, Sheger Bakery

ሰበስልጣን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ [2013] ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ባኒ ብነጻ ክዕድሉ ከምዝተዳለዉ ኣፍሊጦም።

እቲ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ዝጀመር ነጻ ምዕዳል ባኒ ንዝተወደአ ዓመት ብምስናይ ንሓድሽ ንምቕባል ዓሊሙ ኣብ ጳጉሜን ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ መዓልታት’ዩ ክካየድ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋና ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዘህነጾ ዓብዪ ፋብሪካ መሰንከቲ ባኒ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ከም ዘመረቐ ይዝከር።

ሰበመዚ ከም ዝሕብርዎ እንተኾይኑ እቲ ፋብሪካ ብመዓልቲ 2 ሚልዮን ማእኸላይ መጠን ዘለዎም ባኒ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።

እንተኾነ ኣብቲ እዋን ክንደይ ዝኣክል ባኒ ከምዝፈርይን ዝሓቶ ወጻእን ብዝምልከት ዝተገለጸ ነገር የለን።

ባኒ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተጠላብነት ዘለዎ’ኳ እንተኾነ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግን ኣብ እንዳመሸጢ ነዊሕ ሪጋ'ዩ ዝርኣይ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ 10 መዓልታት ማለት: ኣብ 1 መስከርም ሓድሽ ዓመት 2013 ዓ.ም ክትቕበል’ያ።