ኣብ ጃፓን ብሰንኪ ብርቱዕ ህቦቡላ ናይ ጽዕነት መርከብ ምስ ባሕረኛታታ ጠፊኣ

ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን፡ ካብታ 43 ባሕረኛታት ዘለውዋን 6000 ከብቲ ጽዒና እንከላ ዝጠፍአትን ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ሓደ ባሕረኛ ጥራይ ብህይወት ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

እታ ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ምብራቅ ባሕሪ ቻይና ምስ በጽሐት፡ ማዕበል ህቦቡላ ምስ ኣገጠማ’ያ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

ሓለዋ ባሕሪ ጃፓን፡ ነታ መርከብ ንምርካብ ኣብ ዝገበርዎ ዳህሳስ፡ ሓደ ‘ላይፍ ጃኬት’ ዝገበረ ባሕረኛ ናይታ መርከብ ጥራይ ከምዝረኸቡ’ዮም ገሊጾም።

ነታ ዝጠፈአት መርከብ ንምርካብ፡ ብመራኽብን ብነፈርትን ዳህሳስ ዝገብር ዘሎ ሓለዋ ባሕሪ ጃፓን፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃደአ ማዕበልን ብርቱዕ ንፋስን፡ ነቲ መስርሕ ድልያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብታ መርከብ 39 ፍሊፒናውያን፡ ክልተ ደቂ ኒውዝላንድ፡ ክልተ ድማ ኣውስትራልያውያን እዮም ዝሰርሑ ነይሮም።

ብመሰረት ካብ ሓለዋ ባሕሪ ጃፓን ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ ብህይወቱ ዝተረኸበ ባሕረኛ ፍሊፒናዊ ከምዝኾነን፡ እታ መርከብ ቅድሚ በቲ ብርቱዕ ማዕበልን ህቦብላን ምጥቃዓ ኣብ ሞተረኣ ጸገማት ኣጋጢምዎ ከምዝበረ እቲ ብህይወት ዝተረኸበ ባሕረኛ ከምዝሓበሮም ገሊጾም።

እታ ‘ጋልፍ ላይቭስቶክ 1’ ዝተሰመየት መርከብ፡ 14 ነሓሰ ካብ ኒውዝላንድ ተበጊሳ ናብ ቻይና ተምርሕ ከምዝነበረት ሮይተርስ ንመግለጺ ወጻኢ ጉዳያት ኒውዝላንድ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

ብሮቡዕ ምሸት ግን፡ እታ መርከብ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ደሴት ኦሻሚ ናይ ጃፖን ምስ በጽሐት፡ ናይ ርድኡኒ መልእኽቲ ናብ ጃፖን ኣመሓላሊፋ።

እዛ 139 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ኣብ 2002 ዝተሰረሐት ኮይና ናይ ፓናማ ባንዴራ ሰቒላ እያ ትንቀሳቐስ ነይራ።

እቲ ኣብ ምብራቅ ባሕሪ ቻይና ዝርኣ ዘሎ ማያስካ ዝተሰመየ ህቦብላ፡ ንብዝሓት ሃገራት እዩ ዘጥቅዕ ዘሎ።