ኬንያ ንኣልሸባብ ይምውሉ’ዮም ናይ ዝበለቶም ዜጋታታ ርእሰ ማሎም ኣደስኪላቶ

ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኬንያ ንኣልሸባብ ይምውሉ’ዮም ኢላ ናይ ዝኸሰሰቶም ትሽዓተ ሰባት ርእሰ ማሎም ከምዘደስከለቶ ተገሊጹ።

ሚኒስተሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኬንያ፡ እቲ ስጉምቲ ኣካል ናይ'ቲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምዃኑ ብምግላጽ ካብ ውሽጢ ኬንያ ክምንጩ ዝኽእል ‘ዘቤታዊ ግብረሽበራ’ ንምቑጻይ ተባሂሉ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስተር ፍሬድ ማትያንጊ እቲ ምድስካል ርእሰ ማል ናይ ትሽዓተ ኬንያውያን “ብድሕሪ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ዶባትና ኮይኑ ንኣልሸባብ ዝምውል ኣካል ከምዘይህሉ ንምርግጋጽ ዝወሰድናዮ እዩ” ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ኣልሸባብ ሰባት ብምኽታብ፡ ኣብዚ ዞባ ክተኽሎ ዝደሊ ተግባራት ግብረሽበራን ሕሉፉነትን ሰባት ክጥንቀቕሉ ከምዘለዎም ምዒዱ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንመራሕቲ ዓለም ኮቪድ 19 ንግብረሽበራውያን ጥጡሕ ባይታ ብምፍጣርን ንቅልውላው ስደት ብምብኣስን ገዚፍ ስንበራት ይፈጥር ኣሎ ብምባል፡ ፎኮስቲ ብረት ዝተሓንገጡ ግብረሽበራውያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝያዳ ይበዝሑ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ’ዩ፡ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ጸጥታ ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ ዘሎ።

ኬንያ፡ ሰራዊታ ኣብ 2011 ናብ ሶማልያ ካብ እተወፍር ንድሓር፡ ብኣልሸባብ ብዙሕ ግዜ እዩ መጥቃዕቲ ወሪድዋ።