ን 11 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ሲስሊ ክኣትዉ ተፈቒድዎም

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ብመርከብ 'ባንክስይ' ካብ ምጥሓል ድሒኖም ኣብ'ታ መርከብ ዝጸንሑ ልዕሊ 350 ስደተኛታት፡ ካብ'ታ መርከብ ናብ ሲሲሊ ክወርዱ ተፈቒድዎም።

እቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝድሓኑ ልዕሊ 350 ስደተኛታት ኣብ ሲሲሊ ናብ እትርከብ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ክሰጋገሩ ተገይሮም ተወሺቦም ከምዝጸንሑ ሲ ዎች ዝተሰመየ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝነጥፍ ትካል ገባሪ ሰናይ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እቶም ኣብ መርከብ ተወሺቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ መሬት ክወርዱ ክፍቀደሎም ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ።

እታ መርከብ ነቶም ስደተኛታት ጽዒና 11 መዓልታት ምስ ጸንሐት’ያ ትማሊ ሮቡዕ ናብ ፓሌርሞ ክትጽጋዕ ተፈቒድዋ።

ካብ ትካል 'ዶብ ኣልቦ ሓካይም' ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ኣብ'ታ መርከብ ልዕሊ 100 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ ሃገራት ማልታን ጣልያንን ካብ ባሕሪ ንዝመጽአን ናይ ርድኡና መልእኽቲ ዕሽሽ ይብላ ከምዘለዋ ብምኽሳስ “ኣብ ማእካለይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ” ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 43000 ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝኣተዉ ይገልጽ።

እቲ ሎሚ ዓመት ዝተራኣየ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ናይ 2015 ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ንማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ዝግበር ፈተነ ግን፡ ህይወት ብዙሓት ስደተኛታት’ዩ ዝቐዝፍ ዘሎ።

ኣብዚ ዓመት፡ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሪኡ ዝፈተኑ ኣስታተ 554 ሰባት ከምዝሞቱ ኣይኦኤም ይሕብር።