ግዝኣታት ኣሜሪካ ‘ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝጅምር ክታበት ተዳለዋ’ ተባሂለን

ምርመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ድሮ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ንገለ ጉጅለታት ክዝርጋሕ ዝተዳለወ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ምስ ተሓበረ ንብዙሓት ምጥርጣራት ፈጢርሎም ኣሎ።

ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ፡ ንሰብ መዚ 50 ግዛኣታት ኣሜሪካ ነቲ ኣብ 1 ሕዳር ዝጅምር ክታበት ምድላዋቶም ከጻፍፉ ሓቢርዎም ኣሎ።

ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝጽሓፎ ዜና፡ 27 ነሓሰ፡ ሰለስተ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ዝሓዙ ሰነዳት ናብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ካብ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ከምዝተጸሓፈ ብምሕባር፡ እቲ ክዕደል ተዳልዩ ዘሎ ክታብት ክልተ ዓይነት ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ክታበት ግን ስሙ ኣይተጠቐሰን ኢሉ።

ኣብቲ ዝተጸሓፈ መምርሒታት፤ እቲ ክታበት፡ ንሰብ ሞያ ጥዕና፡ ልዕሊ 65 ንዝዕድሜኦምን ነቲ ሕማም ዝያዳ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ማሕበረሰብን ብቐዳምነት ከምዝውሃብ ኣብ'ቲ ዝወጸ መምርሒ ተገሊጹ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም ብዙሓት ዓይነት ፈተነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ይካየድ ኣሎ፡ ገለ ካብኦም ድማ ኣብ ናይ መወዳእታ ፈተነ በጺሖም ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣሜሪካዊ ዶክትር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ እቲ ክታበት ኣብ ቀዳማይ ፈተንኡ ኣዝዩ ዘተኣማምን ውጽኢት እንተኣርእዩ፡ ኩሉ መስርሓት ፈተነ ከይተገበረሉ ናብ መዓላ ክዝርጋሕ ከምዝኽል ገሊጹ ነይሩ።

ተመራመርቲ ግን እዚ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣሜሪካ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ከይህልዎ ስክፍታ ከምዘለዎም ገሊጸም ኣለዉ።

ኣብ ኣሪዞና ትነብር ተመራመሪት ተላበድቲ ሕማማት ሳስኪ ፖፕስኩ፡ ሓንቲ ካብቶም ንኒው ዩርክ ታይምስ ስክፍትኦም ዝገለጹ እያ።

ንሳ “ኣብ ድሮ ምርጫ ክዝርጋሕ’ዩ ምብሃሉ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢልካ ንኽትሓስብ ዝቅስብ እዩ” ኢላ።