ኤርትራ ብሰንኪ እምነቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ልዕሊ 20 ሰባት ፈቲሓ

ካርሸሊ

ኤርትራ መብዛሕትኦም ተኸተልቲ እምነት ፔንተኮስታል ምዃኖም ዝተገለጸ ከባቢ 20 ናይ እምነት እሱራት ከም ዝፈትሐት ምንጭታት ገሊጾም።

እቶም ዝተፈትሑ እሱራት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ዋሕስ ኣምጽኡ ከም ዝተባህሉ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ክዝረብ ቀንዩ።

እቶም እሱራት ካብ 2 ክሳብ 16 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምዃኖም ዝገለጸ ንጡፍ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተሓላቒ ናይ እምነት እሱራትን ሃኒባል ዳንኤል፤ ዋንነት ገዛ ወይ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎም ሰባት ዋሕስ ከም ዘቕርቡ ብምግባር ከም ዝተፈትሑ ገሊጹ።

ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣተሓሕዛ እቶም እሱራት ገለ ቀይድታት ከም ዝፈኾሰን እዚ ናይ ሕጂ ምፍታሕ ምስ ለበዳ እቲ ሕማም ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ሱኒ እስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊትን እየን።

ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እተን ፍሉጣት ዝኾና ኣርባዕተ ሃይማኖት ካልኦት ጉጅለታት ሃይማኖት ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ከምኡ'ውን ዝርዝር ኣስማት ናይ ኣባላተን ብምቕራብ ክምዝገባ ዝጠልብ ትእዛዝ ብምሕላፍ ከም ዝኣገደን ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት (USCIRF) ይገልጽ።

ካብቲ እዋን ንደሓር ተኸተልቲ ናይተን ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣፍልጦ ዘይተወሃበን ንኣሽቱ ጉጅለታት ተኣኪቦም ዘምልኹሉ ባይታ ከም ዝተኸልከሉን፡ ኣብ መርዓ'ውን ከይተረፈ ማእሰርቲ ከም ዘጋጥሞም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣባይቲ ብሕቡእ ብውሕድ ቁጽሪ ዝእከቡ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚታት ግዳይ ደረት ዘይብሉ ማእሰርቲ ክኾኑ ከም ዝጸንሑ ዝገልጽ ሃኒባል "ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ ንዓመታት ምእሳሮም ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።

ንዝቐርበሉ ክስታት ናጽነት ሃይማኖታት ኣመልኪቱ "ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር" ምዃና ዝገልጽ መንግስቲ እታ ሃገር ዛጊት ንምፍታሕ እቶም እሱራት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የሎን።

ናይ 2019 ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብቲ ናይ 2019 ጸብጻቡ ኲነታት ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ኤርትራ "እናበኣሰ" ከም ዝኸደን "ተርእዮታት ናይ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ጣልቃ ምእታውን ኣብ ልዕሊኦም ቀይድታት ምግባርን እናወሰኸ" ከም ዝኸደን ይገልጽ።

"ሽሕ'ኳ ዓቢ ዞባዊ ፖለቲካዊ ለውጥታት ከምኡ'ውን እቲ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣጋጢሞም እንተለዉ፡ ኤርትራ ገና ሓንቲ ካብተን ዝኸፍኡ ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ስም ዘለወን ሃገራት ኮይና ትቕጽል ኣላ። ነቲ ኲነታት ንምምሕያሽ ከኣ ዝኾነ ዝጥቀስ ጭቡጥ ተገዳስነት ኣየርኣየትን" ክብል ነቒፉ ነይሩ።

ካብ ኤርትራ ሓበሬታ ምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝገልጽ እቲ ኮምሽን: ኣብታ ሃገር ካብ 1,200 ክሳብ 3,000 ዝኾኑ እሱራት ሕልና ምህላዎም ኣብ ናይ 2018 ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ 1993 ዝተኻየደ ረፈረንደም ድምጺ ንምሃብ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝተኣሰሩ ተኸተልቲ እምነት መሰኻኽር የሆዋ ከም ዘለው ተሓለቕቲ ነጻነት ሃይማኖት ይገልጹ።

ብዘይካኦም'ውን፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መምሃራን 'መዓሃድ' ተባሂለን ዝፍለጣ ብሃይማኖት ምስልምና ዝማሓደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ከምዘለዉ ይግለጽ።