ግሪክ መዓስከሮም ንዝተቓጸሎም 13 ሽሕ ስደተኛታት መዕቐሊ ንምንዳይ ትቃለስ ኣላ

ሰባት ጉዕዘኦም ጠቅሊሎም፤ ካብቲ ማእኸል መዕቖቢ እንትሃድሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ሰባት ነቲ ማእኸል መዕቖቢ ገዲፎም እንትሃድሙ

መዕቆቢ 13 ሽሕ ስደተኛታት ዝኾነ ኣብ ደሴት ለዝቦስ ዝርከብ መዓስከር ሞርያ ብባርዕ ሓዊ ምሉእ ንምሉእ ስለዝተሃሞኸ፡ መንግስቲ ግሪክ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስደተኛታት መጸግዒ ንክረኽበሎም ይጓየ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ብሰሉስ ኣብ ሞርያ ዝተብሃለ መዓስከር ስደተኛታት ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ፡ ነቲ መዓስከር ብኸቢድ ክሃስዮ እንከሎ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ምጥፍኡ ካልእ ንፋስ ስለዝመጽአ ነቲ ባርዕ ዳግማይ ኣለዓዒሉ ዝተረፈ ቴንዳታት ናይቲ መዓስከር ብምልኡ ከምዝተሃሞኸ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ግሪክ እቶም ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ኣስታት 13000 ስደተኛታት ንግዚኡ ኣብ መራኽብ ወይ’ውን ኣብ ጥቓ ኣቴንስ ቴንዳታት ተዳልዩ ኣብኡ ክጸንሑ ከምዝኾኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ካብቶም ስደተኛታት 400 ዝኾኑ ህጻናት ካብቲ ደሴት ግዒዞም ከምዘለዉ’ውን እቲ መንግስቲ ገሊጹ።

ሚኒስተር ስደተኛታት ግሪክ ኖቲስ ሚታራቺ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣስታት 2000 ካብቶም ስደተኛታት መጽለሊ ዝኸውን ቴንዳታት ዘይክረኽቡ ከምዝኽእሉ ብምሕባር ኣብ ጥቃ እቲ ብሓዊ ዝተቃጸለ መዓስከር ግዝያዊ መጽለሊ ንኽሰርሕሎም ይቀላጠፉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር “ሎሚ ንግሆ ዝበዝሑ ካብቶም መጽለሊኦም ዝተቓጸሎም ስደተኛታት መተካእታ ቴንዳታት ክውሃቦም’ዩ” ድሕሪ ምባል “ህጻናትን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ስድራቤታት ድማ ናብ ወደባዊት ከተማ ማይትላይን ወሲድና ኣብ ፍሉያት መራኽብ ኣዕሪፎም ከምዝጸንሑ ኢና ገይርና ዘለና”ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ብምስዓብ በቲ ባርዕ ዝኾነ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ሓቢሩ።

መዓስከር ሞርያ 3000 ሰባት ክሕዝ ዝግበኦ ኣስታት 13000 ስደተኛታት ዝነብርዎ ዝነበሩ ማእከል ኮይኑ፡ እቶም 70 ሚእታዊት ኣፋጋናውያን እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ 70 ሃገራት እዮም።

ኣብቲ መዓስከር እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

እቲ ባርዕ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ብሓደ ከምዝጀመረ ሓላፊ ናይቲ ከባቢ ኮንስታንቲኖስ ትዮፍሎፒለስ ንቴሌቪዥን ኢኣርቲ ብምሕባር ገለ ስደተኛታት ነቶም ነቲ ባርዕ ከጥፍኡ ዝመጽኡ መጥፋእቲ ሓዊ የሰናኽልዎም ከምዝነበሩ ገሊጹ።

እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ብርቱዕ ንፋስ ሓያል ብድሆ ከምዝነበረን ነቶም ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ 10 መካይን መጥፋእቲ ሓውን ሆሊኮፕተርን ዘዋፈሩ መጥፋእቲ ሓዊ ከምዝበርትዖም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብቲ መዓስከር 35 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ምስ ጸንሑ ሰብ መዚ ጥዕና እቲ ከባቢ እቶም ስደተኛታት ክውሸቡ ውሳነ መስ ኣሕለፈ ኣብ ሞንጎ እቶም ስደተኛታትን ሓለፍቲ እቲ መዓስከርን ዘይምስምማዕ ከምዝተላዓለ ይግለጽ።

ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ንሶም ስድርኦምን ንበይኖም ክፍለዩ ምስ ተሓበሮም ነቲ ውሳነ ከምዝተቃወምዎ ዝሓበረ ሚኒስተር ስደተኛታት ግሪክ ኖቲስ ሚታራቺ፡ እንተኾነ እቲ ባርዕ ብአኦም ዝተላዕለ’ዩ ኣይበለን።

ገለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ግን እቲ ባርዕ ድሕሪ ምስሕሓብ እቶም ስደተኛታትን ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ግሪኽን ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ ምይቲሊን ዝኾነ ስተራቲስ ካይተሊስ “እቲ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፡ ገለ ካብዞም ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እዮም” ኢሉ።

እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲኸ ይውሃብ ኣሎ?

ኣብቲ ቦታ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተደንጊጉ ኣሎ ብዙሓት ሚኒስራት ግሪክ ድማ ነቲ ኩነታት ንምዕዛብን ክውሰድ ዘለዎ ነገራት ንምጽናዕን ናብ ደሴት ለስቦስ ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪክ ካይሪያኮስ ሚትሶታኪስ፡ “እቲ ኣብ መዓስከር ሞርያ ዘጋጠመ ነገር ቅልጡፍ ኣተኣላልያ እዩ ክግበረሉ ዘለዎ፡ ምኽንያቱ በቲ ሓደ ወገን ጉዳይ ናይ ጥዕና በቲ ሓደ ወገን ድማ ናይ ጸጥታ ጉዳይ’ዩ” ኢሉ።

ኣውሮጳዊ ሕበረት’ውን ሓገዛቱ ኣበርኪቱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለይን፡ እቲ ቀዳምነት ነቶም ዝስራዕ ድሕነት ናይቶም ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም ዘለዉ ምኳኑ ሓቢራ።