ኣርጀንቲና ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ ቁጽሪ መልከፍረቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ

ኣርጀንቲና

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኣርጀንቲና ብሰሉስ ኣብ ሓደ መዓልቲ 12027 ሰባት ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸቦም እዚ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተረኸበ ዝለዓለ ብዝሒ ኮይኑ ተመዝጊቡ።

በዚ መሰረት ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።

ካብዞም ፍርቂ ሚልዮን እቶም ዝበዝሑ ካብ ዞባ ቦነስ ኣይረስ እዮም።

ኣርጄንቲና ኣብ ምጅማር እዚ ለበዳ ካብተን ጽኑዕ ዝኾነ ዕጽዋ ዝኣወጃ ሃገራት ኮይና፡ ኣብቲ እዋን ዕጽዋ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ ውሑድ ወሰኽ’ዩ ዘርኢ ነይሩ።

እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ ቁጠባ ናይታ ሃገርን ናይ ውልቀ ሰባትን ብኸቢድ ስለዝተሃሰየ ነቲ ቁጠባ ንምብርባር እቲ ተነቢሩ ዝነበረ ዕጽዋ ምስ ተላዓለ መጠን መልከፍቲ ብናህሪ ክውስኽ ተራእዩ።

በዚ መሰረት ኣርጄንቲና ሓንቲ ካብትን ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዜጋታት ዘለውወን ዓሰርተ ሃገራት ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ብመሰረት ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ብደረጃ ዓለም፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 27 ሚልዮንን 863 ሽሕን በጺሑ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

ኣሜሪካ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ህንዲ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ብራዚል ልዕሊ 4.1 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ሩስያ ልዕሊ 1.03 ሚልዮን መልከፍቲ፡ ፔሩ ልዕሊ 696 ሽሕ መልከፍቲ፡ ኮሎምብያ ልዕሊ 686 ሽሕ መልከፍቲ፡ ሜክሲኮ ልዕሊ 647 ሽሕ መልከፍቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 642 ሽሕ መልከፍቲ፡ ስጳኛ [ስፔን] ልዕሊ 543 ሽሕ መልፍቲ ከምኡ ድማ ኣርጀንቲና ልዕሊ 512 ሽሕ መልከፍቲ ብምምዝጋብ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተ ዘለዋ ሃገራት እየን።