ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ካናዳ ሓንቲ ህጻን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባራ በረራ ተሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, Submitted photo
እቲ ጉዳይ ንብዙሓት ኣገሪሙ'ሎ። ማእከል ናይቲ ዜና ጓል 19 ወርሒ ህጻን እያ።
መገዲ ኣየር ዌስትጄት ኩሎም ተጓዓዝቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ'ዩ ዘተሓሳስብ። በዚ ምኽንያት እታ ምስ ወለዳ ዝነበረት ህጻን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክግበረላ ኣብ ዝተፈተነሉ እዋን ኣምሪራ ትበኪ።
ወለዳ ጥራይ ዘይኮኑስ ኣሳሰይቲ መንገዲ ኣየር ከይተረፉ ብዝኸኣልዎ እንተፈተኑ'ኳ ክሰምረሎም ብዘይምኽኣሉ እቲ በረራ ናብ ምስራዝ ተበጺሑ።
እቲ መገዲ ኣየር ግን እቲ ጉዳይ ካልእ ይብል። ምኽንያት ምስራዝ በረራ እታ ጓል 19 ወርሒ ህጻን ከምዘይኮነት ድማ ይገልጽ። "ኣብቲ ንሳ ዘላትሉ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት መሸፈኒ ክገብሩ ኣይግደዱን" ድማ ይብል።
በረራ ደኣ ስለምንታይ ተሰሪዙ?
እቲ መገዲ ኣየር ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "እታ ህጻን ዘይኮነትስ ካልእ ቆልዓ 3 ዓመት ሓፍታ ነይራ፤ ንሳ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ግበሪ ክትበሃል ከላ ስለዝኣበየት ኢና ነቲ በረራ ዝሰረዝናዮ" ክብል የረድእ።
ወለዲ እታ ህጻንን ካልኦት ተጓዓዝትን ግን "መገዲ ኣየር ዌስትጄት ከምዝበሎ ኣይኮነን፤ እታ ቆልዓ 3 ዓመት መሸፈኒ ገይራ ነይራ'ያ" ዝብል ቃል ሂቦም ኣለዉ።
እቲ ክስተት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ብሞባይል ስልኪ ዝተቐድሐ (ዝተቐረጸ) ቪድዮ ድማ እታ ቆልዓ 3 ዓመት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይራ ምንባራ የርኢ።
ፖሊስ ብወገኑ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን እታ ቖልዓ ነቲ መሸፈኒ ገይራ ከምዝረኸባ ገሊጹ'ሎ።
እቲ በረራ ካብ ከተማ ካልጋሪ ናብ ከተማ ቶሮንቶ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን እታ ነፋሪት ካብ መበገሲኣ ከይተልዓለት ተጓዓዝቲ ክወርዱ'ዩ ተገይሩ።
ኣቦ እተን ቆልዑ ዝኾነ ኮድሃሪ "እታ ነፋሪት ክትለዓል ኣብ ዝተዳለወትሉ እዋን ጓል 3 ዓመት ጓለይ ቁርሲ ትበለዕ ነይራ። ሓንቲ ኣተኣናጋዲት [ሆስተስ] መጺኣ መሸፈኒ ክትገብር ሓቲታታ" ክብል ተዛሪቡ።
ብድሕሪኡ ጓል ሰለስተ ዓመት ጓሎም መሸፈኒ ከምዝገበረት ብምግላጽ "እታ ንኡሽተይ ግን ኣብያ። መሸፈኒ ምስገበርናላ'ውን ኣምሊሳ" ኢሉ።
መገዲ ኣየር ዌስትጄት "ትዕግስቲ የብሉን" ብምባል ድማ እታ ንኡሽተይ ጓሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባራ በረራ ከምዝተሰረዘ ኣረዲኡ። ካብታ ነፋሪት ንኽወርዱ ኣብ ዝተሓተቱሉ እዋን'ውን ምፍርራሕ ዝተሓወሶ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
