ሃገረ ባርባዶስ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ መዝነት ላዕለወይቲ መራሒነት ክትእለ ጠሊባ

ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሃገረ ባርባዶስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብ ላዕለወይቲ መሪሕነት እታ ሃገር ብምእላይ ናይ ባዕላ ምሕደራ (ሪፐብሊክ) ንምምስራት ትእምም ኣላ።

መንግስቲ ደሴት ካሪቢያን ዝኾነት ባርባዶስ፡ "ሙሉእ ንሙሉእ ታሪኽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንድሕሪት እንገድፈሉ እዋን በጺሑ'ዩ" ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ እዚ ውጥን ሕዳር 2021 ኣብ ዝኽበር ባርባዶስ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣኒያ ናጻ ዝወጽአትሉ መበል 55 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ከም ዝፍጸም ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብቐዳመይቲ ሚኒስትር ሚያ ሞትሊ ዝተጽሓፈ መግለጺ ባርባርዶሳውያን ባርባርዳዊ መራሒ ሃገር ክህልዎም'ዮም ዝደልዩ ይብል።

ብተወሳኺ "እዚ ንሕና መን ምዃንናን እንታይ ከነዐውት ንኽእልን ዝብል እነርእየሉ ናይ መወዳእታ መግለጺ ርእሰ ተኣማንነትና'ዩ" ይብል።

ምንጪ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም'ውን እዚ "ብዘይምኽንያት ኣይመጽአን" ዝበለ ኮይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ህዝቢ ዝተዘተየሉ ጉዳይ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ሓቅታት ባርባዶስ

  • ኣዝዩ ብዙሕ ህዝብን ሃብትን ካብ ዘለወን ደሴታት ካሪብያን ሓንቲ'ያ
  • ብ1966 ካብ ብሪጣኒያ ናጽነት ረኺባ
  • ንግስቲ ኤልሳቤጥ ግን ብሕጊ ንግስቲ እታ ሃገር ኮይና ቐጺላ
  • ኣብ ሰደድ ሽኮር ጽግዕተኛ ዝነበረ ቑጠባ እታ ሃገር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቱሪዝምን ፋይናንስን ወሲኻትሉ ትርከብ
  • ሚያ ሞትሊ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባርባዶስ ኮይና፡ ኣብ 2018 ዝተመረጸት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ

እዚ ብቀዳመይቲ ሚኒስትር ዝተጻሕፈ መግለጺ ኣካል ንድፊ ፖሊስን መደብን መንግስትን ኮይኑ ቅድሚ ሓድሽ ኣኼባ ባይቶ እታ ሃገር ምጅማሩ ዝወጽአ'ዩ።

ኣብቲ መግለጺ እታ ሃገር "ኣብ ሓጹር ባዕዳዊ መግዛእቲ ክትኸውን የብላን" ዝብል መጠንቀቕታ ባርባዶስ ናጽነታ ምስረኸበት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾነ ኢሮል ባሮው ተኻቲቱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሚያ ሞትሊ

ኮሚሽን ገምጋም ሕገመንግስቲ ባርባዶስ'ውን ብ1998 እታ ሃገር ሪፐብሊክ ክትኸውን ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ'ዩ።

ቅድሚ ሚያ ሞትሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝነበረ ፍሪንደል ስቷርት ብወገኑ "ካብ ስርዓት ንግስና ናብ ዘመናዊ ስርዓት መንግስቲ ምስግጋር ንመጻኢ ዝፍጸም'ዩ" ምባሉ ይዝከር።

ጉያና፣ ትሪኒዳድ፣ ቶባጎን ዶሚኒካን ዝበላ ደሴታት ካሪቢያን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ምስ ወጽኣ ካብ 1970 ክሳብ 1978 ኣብ ዘለው ዓመታት ናይ ባዕለን መንግስቲ መሪስሪተን'የን።

ምንቅስቓስ #Black Lives Matter ኣብ ልዕሊ መንግስታት ካሪቢያን ፖሊታዊ ጸቕጢ ብምሕዳር መብዛሕትአን ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ክወጽኣ ይደፍአን ከም ዝህሉ ይግመት።

ምፍራስ ሓውልቲ ነጋዳይ ባሮት ዝነበረ፣ ሕጂ ድማ ነታ ንግስቲ ካብ መሪሕነት ክትእለ ምድላይ፡ ነቲ ንጉሳዊ ስድራ ብሪጣኒያ ናብ ዓብዪ ሕቶ ዘእቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።