ንፍርቂ ሚልዮን ኣሜሪካውያን ብዘይ ኤሌክትሪክ ዘትረፈ ህቦቡላ ሳሊ

ፍሎሪዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብሰንኪ ኣብ ኣሜሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ሳሊ ዝተሰመየ ህቦቡላ ዘኸተሎ ብርቱዕ ዝናብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣሜሪካውያን ብዘይ ኤሌክትሪክ ተሪፎም።

እዚ ኣብ ደረጃ ክልተ ዝምደብ ህቦቡላ፡ ካብ ማእከል ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ተበጊሱ ብሮቡዕ ኣብ ገማግም ኣሜሪካ ምስ በጽሐ ብርተዐ እቲ ንፋስ ክጎድል’ኳ እንተጀመረ፡ ኣብ ብዓል ፍሎሪዳን ኣላባማን ብርቱዕ ዕልቅልቕ ብምፍጣሩ ዓብዪ ዕንወት ከውርድ ክኢሉ’ዩ።

ኣብ ፍሎሪዳ እትርከብ ፔንሳኮላ እትብሃል ከተማ ሓንቲ ካብተን ብኸቢድ ተሃስየን ዘለዋ ከተማታት’ያ።

ሃገራዊ ማእከል ህቦቡላ “ኣብ ፈሎሪዳን ደቡባዊ ክፋል ኣላባማን ኣዝዩ ብርቱዕን ንህይወት ኣስጋኢ ዝኾነ ዕልቅልቕ ክቅጽል እዩ”ኢሉ ኣሎ።

ሓላፊ ምክልኻል ባርዕ ከተማ ፔንሳኮላ ጊኒ ክራኖር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “እዚ ማዕበል ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክሃርመና ዝግበኦ ማይ’ዩ ኣብ ኣርባዕተ ሰዓታት ድብድብ ኣቢልና” ኢሉ።

እዚ ሳሊ ዝተሰመየ ህቦቡላን ማዕበልን ኣብ ስዓት 169 ኪሎ ሜትር እናተሓንበበ ሮቡዕ ወጋሕታ ኣብ ገማግም ኣላባማ በጺሑ።

እቲ ብርቱዕ ማዕባል ኣብ ሰዓት 55 ኪሎ ሜትር ዝሕምበብ ብርቱዕ ንፋስን ዝናብን ስለ ዘኸተለ ድማ እቲ ዕንወት ክዛይድ ክኢሉ።

እቲ ማዕበል ናብ ሰሜናዊ ገማግም ኣሜሪካ ገጹ ምስ ኣበለ ልዕሊ 550 ሽሕ መስመር ኤሌክትሪክ ከም ዝተበትኮምን ኣብ ጸላም ከም ዝርከቡን ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ የብርህ።

ህቦቡላ ሳሊ ሓደ ካብ ኣብ ኣተላንቲካዊ ውቅያኖሳት ዝብገስ ህቦቡላዊ ማዕበል ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ተደጋጋሚ ህቦቡላታት ስለ ዘጋጠመ ሰብ መዚ ኩነታት ኣየር እቲ ኣቐዲሞም ዘውጽእዎ ኣስማት ህቦቡላታት ይውዳእ ከም ዘሎ ይሕበሩ ኣለዉ።