ግሪኽ፡ ስደተኛታት ናብ ሓዱሽ መዕቖቢ ክተግዕዝ ጀሚራ

ስደተኛታት ኣብ ሞርያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፖሊስ ደሴት ሌዝቦስ፡ ኣብቲ ብሓዊ ዝተቓጸለ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መዕቖቢ ካራ ቲፒ ምግዓዝ ጀሚሩ።

ትማሊ ኣርባዕተ ኣፍጋናውያን ሓተትቲ ዑቑባ፡ ነቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ሞርያ ዘዕነወ ሓዊ ብምልዓል ተኸሲሶም እዮም።

ሎሚ ንጉሆ 1800 ስደተኛታት ናብቲ ሓዲሽ መዕቖቢ ዝገዓዙ ኮይኖም፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ዝወጹ ልዕሊ 12 ሽሕ ስደተኛታት ንሕጸረት ምግብን መጽለልን ተቓሊዖም ኣለው።

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ናብቲ ሓዲሽ መዓስከር ዝግዕዙ፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ይግበረሎም ኣሎ።

ዛጊድ 56 ስደተኛታት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦምን፡ ንበይኖም ተፈሊዮም ከምዝጸንሑን ሰበ ስልጣን ግሪኽ ን ኤ ኤፍ ፒ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 35 ሰባት ኮሮናቫይረስ ምስተረኸቦም ንባዕሎም ፈልዮም ክጸንሑ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ድሕሪ መግላጾም'ዩ እቲ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መብዛሕተኦም ኣፍጋናውያን ዝኾኑ ዜጋታት ልዕሊ 70 ሃገራት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሞርያ ይርከቡ።

ጀርመን፡ ካብ 408 ስድራቤታት ዝተወጻጽኡን ናይ ስደተኛ ሰነድ ዝረኸቡን 1553 ሰባት ክትወስድ ተሰማሚዓ ኣላ።

ብተወሳኺ ኣስታት 150 ኣላዪ ዘይብሎም ቖልዑት እውን ካብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምእትወስድ ገሊጻ እያ።

ግሪኽ ብውገና ሃገራት ኣውሮጳ ክወስደኦም ዝተሰማመዓ 400 ቖልዑ ካብቲ መዕቆቢ ኣውጺኣ ኣዳልያቶም ኣላ።

ካብ 2015 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ፡ ናብ ወደብ ግሪኽ ዝመጹ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝቐነሰ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ መዕቆቢ ስደተኛታት ግን ሐዚ እውን ተጻቢቦም እዮም ዘለዉ።