ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ዘሎ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዘጋጠመ ናይ ጸጥታ ጸገምን ስዒቡ ዝተፈጠረ ኩነታትን ከምዘተሓሳሰቦ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ ኮምሽን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብ ወረዳ ቡለን ቀበሌ ኣጳርን ወረዳ ወንበራ ቀበሌ መልካን ዘተሓሳስቡ መረዳእታታት ከምዝበጽሕዎ ኣፍሊጡ።

ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 6 መስከረም 2020ን ካብ 7 ክሳብ 13 መስከረም 2020ን መጥቓዕቲታት ከምዝተፈጸመ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝረጋገጸ ሓቢሩ።

ብውሑድ ክልተ ግዘ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ሰባት ከምዝተቐተሉን ካብ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዘረጋገጸ እውን መግለጺ እቲ ኮምሽን ኣመልኪቱ።

ብተወሳኺ ካብቶም ተፈናቐልቲ እቶም 300 ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝገለጸሉ ዝሓበረ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፤ ፖሊስ ፌደራል፣ ሓይሊታት ፀጥታ እቲ ክልልን መከላኸሊ ሰራዊትን እቲ ከባቢ ንምርግጋዕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ስለዝኾነ ድማ "ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት፣ ቅትለትን ምፍንቓልን ሙሉእ ብሙሉእ ይኹንን" ኢሉ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ክልል ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታት ብተደጋጋሚ ከምዝተፈጸሙ ዘዘኻኸረ መግለጺ እቲ ኮምሽን፡ ቅልጡፍ ምጽራይ ተገይሩ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ጸዊዑ።

ብተወሳኺ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ነቶም ዝተመዛበሉ ናብ ንቡር ህይወቶም ዝምለሱሉ መገዲ ከምቻችዉ ዝጸወዐ መግለጺ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ኩሎም ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት ክላዘቡን ህውከት ካብ ምልዓል ክቑጠቡን ተማሕጺኑ።