ሰሜን ኮርያ፡ ንሓደ በዓል መዚ ደቡብ ኮርያ 'ቀቲላ ኣቃጺላ' ተባሂሉ

ደቡብ ኮርያ  ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ሓደ በዓል መዚ ብጥይት ቀቲሎም ብሓዊ ከምዘቃጸሉዎ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ንሓደ በዓል መዚ ደቡብ ኮርያ ብጥይት ቀቲሎም ብሓዊ ከም ዘቃጸልዎ ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ‘ኣረሜናዊ’ ዝበሎ ተግባር ሰሜን ኮርያ ድማ ኮኒንዎ።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ እቲ ብወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ተቐቲሉ ዝበሎ ሰብ ኣብ ጥቃ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዳህሳስ ካብ ዝነበረት ጃልባ ከም ዝጠፈአን ኣብ ማያዊ ኣካል ሰሜን ኮርያ ከም ዝተረኸበን ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ፡ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ነቲ ውልቀ ሰብ ብጥይት ሃሪሞም ኣብ ኣካላቱ ዘይቲ ኣፍሲሶም ብሓዊ ከም ዘቃጸልዎ ካብ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ምንጭታት ብዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጸ ይጠቅስ።

ሰሜን ኮርያ ንኽሲ ደቡብ ኮርያ ኣመልኪታ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ መልሲ የለን።

ሰሜን ኮርያ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ዶባታ ብጽኑዕ እያ ትሕሉ ዘላ።

ኣብ ዶባታ ክንቀሳቀስ ዝርኣየቶ ‘ቶኪስካ ቅተል’ ዝብል ፖሊሲ ትኽተል ከም ዘላ’ዩ ድማ ዝንገር።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ፡ እቲ ተቐቲሉ ዝተባህለ ደቡብ ኮርያዊ ወዲ 47 ዓመትን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኮይኑ፡ ዓሳ ኣብ ዝገፍፍ ትካል ከም ዝሰርሕን ካብ ዶብ 10 ኪሎ ሜትር ኣብ ክሊ ማይ ደቡብ ኮርያ ብጃልባ ዳህሳስ እናኣካየደ እንከሎ ብሰኑይ ከም ዝጠፈአ ይገልጽ።

ብመሰረት ደቡብ ኮርያ ሂባቶ ዘላ መግለጺ፡ ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ንካልኣይ ግዘ'ዩ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክፍጽሙ።

ብሰነ 2008 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውⶂፓ) እውን ኣብ ከባቢ ጎቦ ኩማጋንግ ንሓደ ሲቪል ደቡብ ኮርያዊ ቶኵሶም ከም ዝቀተልዎ ተጠቂሱ ነይሩ።