መረጻ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ፕረዝደንታዊ መረጻ እንተዘይተዓዊቱ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ እዋን ምርጫ “እንታይ ከም ዝፍጠር ክንርኢ ኢና” ኢሉ።

ኣብቲ ብፖስታ ዝወሃብ ድምጺ እምነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ መወዳእታ ዕጫ ውጽኢት እቲ መረጻ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝውዳእ ክኸውን እዩ ኢሉ።

ብርክት ዝበላ ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ዜጋታት ካብ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንምሕላው እቲ ድምጺ ምሃብ ብፖስታ ክኸውን’ውን ይደፍኣ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ዶንልድ ትራምፕ ብሓደ ጋዜጠኛ ኣብቲ ኣንጻር ጆ ባይድን ዝገብሮ ውድድር “ንስዕረት ንማዕረ ወይ ንዓወት” ድልዉ እንተኾይኑ ምስተሓተ'ዩ ነዚ ምላሽ ሂቡ።

ኣብቲ 41 መዓልታት ተሪፍዎ ዘሎ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ቅድመ ምርጫ ዝግብር ርእይቶ ህዝቢ ብጆ ባይደን ይምራሕ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ “ኣነ ብዛዕባ እቲ ናይ ድምጺ ወረቐት ኣትሪረ ክቃወም ጸኒሐ’የ። ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ” ይብል።

“ሰባት ናዕቢ የካይዱ ኣለዉ” ተባሂሉ ዝተሓተ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ “እቲ ናይ ድምጺ ወረቐት ንየው በሉዎ፤ ድሕሪኡ ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም። ካብዚ ወጻኢ ስግግር ስልጣን ኣይህሉን፤ ክንቅጽል ኢና” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ዴሞክራት ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ዝነበረ ንሕንሕ፡ ዝረኽቦ ውጽኢት መረጻ ከም ዘይቕበል ድሕሪ ምግላጹ፤ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክትብል ነቒፋቶ ነይራ።

ኣባል ሪፓብሊካን ኮይኑ ንዶናልድ ትራምፕ ዝነቕፍ ሚት ሮሚ “መሰረታዊ ረቛሒ ዴሞክራሲ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን’ዩ፤ ካብዚ ወጻኢ ቤላሩስ ኣላ። እቲ ፕረዚደንት ነዚ ሕገ-መንግስቲ ዘየኽብር ነገራት ክገብር ግን ፈጺሙ ዘይሕሰብን ተቐባልነት ዘይብሉን’ዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ጆ ባይደን ብወገኑ “ዘይርትዓዊ” ዘረባ ክብል ነቒፉዎ።