ልደቱ አያሌው፡ "ፖሊስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከኽብር ኣለዎ"፡ ጠበቓ ኣቶ ልደቱ

አቶ ልደቱ አያሌው

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ብዋሕስ 100 ሽሕ ብር ክፍታሕን ጉዳዩ ብደገ ኮይኑ ክከታተልን ቤት ፍርዲ'ኳ እንተኣፍቀደሉ ፖሊስ ግን ኣይፈትሖን ኢሉ ብምእባዩ ቅርትኦም ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘእተው ጠበቕኡ ኣቶ ኣብዱልጀባር ሑሴን ተዛሪቡ።

ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ብ12 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣቶ ልደቱ ብዋሕስ ክፍታሕ ከም ዝወሰነ ይዝከር።

እንተኾነ፡ ፖሊስ "ብሓደራ'ዩ ኣብዚ ዘሎ" ዝብል ምላሽ ብምሃብ ክፈትሖ ፍቓደኛ ከይኮነ ተሪፉ'ዩ ብምባል "ፖሊስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንከኽብር" ዝሓትት ደብዳበ ሎሚ መዓልቲ ከም ዘቕረቡ ኣቶ ኣብዱልጀባር ንቢቢሲ ገሊጹ።

ትማሊ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሒዙ ናብ ፖሊስ ቢሾፍቱ እንተኸደ'ውን ፖሊስ ግን ነቲ ተኸሳሲ ክፈትሖ ፍቓደኛ ከም ዘይኮነ ኣረዲኡ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ኣዳማ ናብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘእተውዎ ደብዳበ ፖሊስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይምኽባሩ ብሕጊ ገበን ቑጽሪ 4፣ 48ን ተኸታተልቲ ድንጋገታትን "ገበን" እዩ ክብል እቲ ጠበቓ ገሊጹ።

"እዚ እቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት ዘተኣጓጉል'ዩ። መጋብኣያ ከም ምድፋር ስለ ዝቑጸር ብቤት ፍርዲ ከቕጽዖ ዝኽእል ገበን'ዩ" እውን ኢሉ።

ትማሊ፡ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ "ንሕና ብሓደራ ስለ ዝሓዝናዮ ክንፈትሖ ኣይንክእልን" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃቦ ዝዛረብ እቲ ጠበቓ፡ በዚ ምኽንያት ናብ ቤት ፍርዲ ደብዳበ ክጽሕፍ ከም ዝተገደደ ተዛሪቡ።

ድሕሪ ቅትለት ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተፈጥረ ናዕብን ዕግርግርን ብምልዕዓል፣ ብምምራሕን ብገንዘብ ብምሕጋዝን ተጠርጢሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ልደቱ፡ ንጉዳዩ ክርኢ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ እንተዓጸዎ'ውን ዘይተፈቐደሉ ብረት ብምሓዝ ተኸሲሱ'ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ቤት ፍርዲ ኣዳማ ኣቶ ልደቱ ብዋሕስ 100 ሽሕ ብር ክፍታሕን ጉዳዩ ክከታተልን ወሲኑ ን20 መስከረም 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቖጸሮ ሂቡ እዩ።