ኢኮዋስ፡ ኣብ ልዕሊ ማሊ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ከምዝኽእል ኣአንፊቱ

ዕልዋ መንግስቲ ማሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዘንበሩዎ እገዳ ከልዕሉዎ ምዃኖም ኣአንፊቶም።

ልኡኽ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ጉድላክ ጆናታን እቶም ብወታሃደራዊ ዕልዋ ንፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ባቦከር ከይታ ካብ ስልጣን ዝኣለዩ ወተሃደራት ንጻውዒት ማሕበረሰብ ዓለም ብምስማዕ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንክትሰጋገር ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ገሊጹ።

ጉድላክ ጆናታን ዝሃቦ መግለጺ፡ ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ነቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረ ባህ ነዳው ከም ግዝያዊ ፕረዚደንት ክኸውን ነቲ ዕልዋ ዝመርሐ ኮሮኔል ኣሲም ጎይታ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን ዝብል ሓሳብ ከም ዝተቐበሎ ዘርኢ እዩ።

ብመሬት ዝተኸበበት ሃገረ ማሊ ንግዳዊ እገዳ ምስ ተገበረላ ኢደ እግራ ከም ዝተተሓዘት እዩ ዝግለጽ።

ንዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ንምርቋሕ ሓዲሽ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘንበርዎ ቁጠባዊ እገዳ ከልዕልዎ ተማሕጺኑ ነይሩ።

እቶም ኣብ ማሊ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ብኮሎኔል ኣሲም ጎይታ ዝምርሑ ወተሃደራት ብሰኑይ ነቲ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ባህ ነዳው ከም ግዝያዊ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ማሊ ገይሮም ብምርቋሕ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ክትሰጋገር ተሰማሚዖም'ዮም።

እቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተሮቑሐ ባህ ነዳው ጽባሕ ዓርቢ ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ።

ኮሮኔል ጎይታ ንሱ ግዝያዊ ምክትል ፕረዚደንት ከም ዝኸውን ብምሕባር ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን ሃገሩ ካብ ፈረንሳን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ደገፍ ከይፍለያ ተላብዩ ነይሩ።

ኣንጻር ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምቅላስ ኣብ ማሊ ዝርከቡ ሰራዊት ፈረንሳን ሰራዊት ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስን 'ኣብታ ሃገር ክህልዉ ኣለዎምዶ የብሎምን' ዝብል ኣርእስቲ ውትሩ ምስ ኣካተዐ'ዩ።