ጃዋር መሓመድ ዝርከቦም 18 ተኸሰስቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ተወሲኑ

ጃዋር መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዙርያ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝተኸፈተ ክሲ ንምንባብ ን21 መስከረም 2013 ዓ.ም ቖጸሮ ሒዙ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ ዝተመስረተ ክሲ ንምንባብ ንሎሚ መዓልቲ ቖጸሮ ሒዙ'ኳ እንተነበረ ካብ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ብዝቐረበ ሕቶ ናብ ካልእ ግዘ ተመሓላሊፉ።

ብኻልእ ወገን እቲ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ሕጂ ኣቶ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ካልኦት 18 ተኸሰስቲ ጉዳዮም ኣብ ቤት ህጸንት ኮይኖም ክከታተሉ ኣዚዙ።

ቅድሚ ሕጂ በዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ማእከል መርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል እዮም ዝቐርቡ ነይሮም።

ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝወዓለ መጋባእያ ኣብ ትሕቲ መዝገብ በዓል ኣቶ ጃዋር መሓመድ ዝተኸሰሰሉ ዝርከቡ ተኸሰስቲ ኣቶ ደጀኔ ጣፋን ኣቶ መስተዋርድ ተማምን ንኻልኣይ ግዜ ኣይቐረቡን።

ካብ ሃገር ወጻኢ ዝርከቡ ተኸሰስቲ ብዝምልከት ድማ ፖሊስ እዞም ተኸሰስቲ ንምቕራብ ዝተዋህቦ ናይ ቖጸራ ግዙ ሓጺር ስለ ዝኾነ ከፈጽሞ ኣይክኣልኩን ኢሉ። ጠበቓታት ብወገኖም እዞም ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገር ምህላዎምን እቲ ክሲ ኣብ ዘየለውሉ ዝተኸፍተ ምዃኑን እናተፈልጠ፡ ፖሊስ ሒዙ ከቕርቦም ብዝብል ምኽንያት ቖጸራታት ክናውሑ ምግባር ልክዕ ኣይኮነን ኢሎም ተካቲዖም።

ጉዳይ ኣቶ ደጀኔ ጣፋን መስተዋርድ ተማምን ብዝምልከት ድማ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ብካልእ መዝገብ ስለ ዝተኸሰሱ ኣብቲ ንሎሚ መዓልቲ ዝተዋህበ ቖጸራ ክቐርቡ ከም ዘይክኣሉ ዓቃቢ ሕጊ ኣረዲኡ።

ብኻልእ ወገን ኣቶ ደጀኔ ጣፋ ቤተሰቦም ክሓቱዎን ከም ዘይክኣሉን መሰረታዊ ነገራት ከም ዘይረኸበን ጠበቕኦም ተዛሪቡ።

ኣብቲ መጋብኣያ ዝተዛረበ ኣቶ ሸምሰዲን ጠሃ ሓሚሙ ናብ ሕክምና ይመላለስ ከም ዘሎ ብምግላጽ ናይ ሕክምና ቖጸሮ እናሀለዎ ከም ዝተኸልአን እቲ ሕማም ይጸንዖ ከም ዘሎን ጥርዓኑ ኣቕሪቡ።

ክሲ ንክስማዕ ቖጸሮ ሒዙ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቶ ደጀኔን ኣቶ መስተዋርድን ስለ ዘይተረኸቡ እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ይነበብ ኣይነበብ ዝብል ክትዕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ ካልእ ቖጸሮ ይወሃበና ኢሎም።

ቤት ህንጸት

ዓቃቢ ሕጊ ተኸሰስቲ እቲ ክሲ ምስ በጽሖም ብግዝያውነት ካብ ዝጸንሕሉ ቦታ ናብ ቤት ህንጸት ክውሰዱ ኣለዎም ክብል ሃቲቱ።

ጠበቓታት ብወገኖም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘለው ተኸሰስቲ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ጽልዋ ፈጠርቲ ስለ ዝኾኑ ንድሕነቶም ብዝብል ኣብቲ ዝነበርሉ ቦታ ክጸንሑ ኣለዎም ብምባል ተቓዊሞም።

ቤት ፍርዲ ድማ ክትዕ የማነ ጸጋም ምስ ሰምዐ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

በዚ መሰረት እቶም ተኸሰስቲ ናብ ቤት ህንጸት ክዛወሩ ወሲኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሽብር ዝተኸሰሰ ኣቶ እስክንድር ነጋ ጉዳዩ ኣብ ቤት ህንጸት ቅሊንጦ ኮይኑ ክከታተል ከም ዝወሰነ ይዝከር።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ተኸሰስቲ ዝምልከት ድማ ፖሊስ ኣብ ዝቕጽል ቖጸሮ ዝበጽሖ ደረጃ ከብርህ ትእዛዝ ተዋሂቡዎ።