ባይቶ ክልል ትግራይ፡ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይድምፂ ንምስታፍ ኣዋጅ ኣፅዲቑ

ባይቶ መንግስቲ ትግራይ: ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ቤት ምኽሪ ብዘይድምፂ ንምስታፍ ዘኽእሎም ሓድሽ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ: ካብቲ ስሩዕ ብድምፂ ህዝቢ ዝተረኸበ 190 መናብር ወፃኢ: ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይድምፂ ዝሳተፍሉ ተወሰኽቲ 15 መናብር ፈቒዱ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ኣዋጅ: ካብቲ ስሩዕ ብድምፂ ህዝቢ ዝተረኸበ 190 መናብር ወፃኢ: ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይድምፂ ዝሳተፍሉ ተወሰኽቲ 15 መናብር ፈቒዱ ኣሎ።
እቲ ኣፈፃፅማ ሽንሸና መናብር: ነቲ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብድማር ዝረኸብዎ ልዕሊ 183 ሽሕ ድምፂ ን15 መናብር ይመቅል።
ብመሰረት እዚ : ውድብ ባይቶና 7: ውድብ ናፅነት ትግራይ 5: ውድብ ሳልሳይ ወያነ 2 ከምኡ እውን ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባ 1 መናብር ክረኽቡ ኣፅዲቑ።
ናብ ባይቶ መንግስቲ ትግራይ ንምእታው ኣብ ዝተግበረ ፃውዒት ውድባት ናፅነት ትግራይ ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባን ከምዝተቐበልዎ ትማሊ ብዕሊ ኣፍሊጦም እዮም።
ውድብ ሳልሳይ ወያነ ዘይተቐበልዎ እንትኾን: ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ገና ኣየፍለጡን።
እቲ ዕድል ነቶም ኣብ መረፃ ትግራይ 2012 ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ጥራይ ከምዝምልከት ኣብቲ ኣዋጅ ተሓቢሩ ኣሎ።
"ንወላዲተይ ወድኺ ንምንታይ ናብ ገዛ ተእትውዮ ኢሎም ኣፈራሪሖማ" ኣቦ መንበር ሳወት ሃያሉ ጎደፋይ
ኣብዚ ቅንያት ብውልቀን ንውድባቶም ወኪሎምን ኣብ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ዝወዳደሩ ዘለው ተነሓናሕቲ ካብ ኣባላት ገዛኢ ሰልፊ ህወሓትን ምምሕዳርን ጸቕጥን ምፍርራሕን ይበጽሐና፣ 'ነጻልን መጓነይን ሽማሽም ይወሃበና ኣሎ' ክብሉ ቀንዮም። ኣቦ መንበር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይሉ ጎደፋይ፡ ሓደ ካብቶም "ፀቕጥን ምፍርራሕን የጋጥመና ኣሎ" ዝበሉ ኣባላት ተነሓናሕቲ ውድባት ኮይኑ ነቶም ተጓንፎታቱ ምስ ቢቢሲ ተዛሪቡ ኣሎ።