ኣብ ኢትዮጵያ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ ዙርያ ከምዝኽፈታ ተገሊጹ

ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, DEA / C. SAPPA

ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነት ዘማልኣ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሸጢ 3 ሰሙን፡ ትምህርቲ ክጅምራ ከምዝተወሰነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሚኒስትሪ ጥዕናን ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ብዘቐመጥዎ ቅድመ ኩነት መሰረት ቅድሚ ምጅማረን ብመድሓኒት ክጸርያ፣ መሸፍኒ ኣፍን ኣፍንጫን መ ጽረዪ ኢድን ከምኡ 'ውን ኣካላዊ ምርሕሓቕ ክትግብራን ትጽቢት ይግበረለን።

ከም ኩነታት እተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ብፈረቓን ሓደ ሓደ መዓልቲ እናዝለላ በብተራን ከምህራ ከምዝኽእላ ተሓቢሩ።

ብዝሒ ተምሃሮ ብዝምልከት ድማ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዘቐመጦ መሰረት ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ: ካብ 20 ክሳብ 25 ተምሃሮ ክምሃሩ ይኽእሉ።

ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ ዙር ምስትምሃር ክጅምራ ከምዝግበር ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ምኽረ ሓሳባት፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይካየድ ኣብዘሎ ዘተ ከምዝቐረበ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

በዚ መሰረት ኣብ ወረዳታት ገጠርን ቀበሌታትን ዝርከቡ አብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ብ19 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም፡ ኣብ ኩሎም ከተማታት ዞባን ክልልን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብ ካልኣይ ዙር 16 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ትምህርቲ ክጅምሩ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባ ክልል አሮምያን ኣብ ሳልሳይ ዙር 30 ጥቅምቲ 2013 ትምህርቲ ክጅመር ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

ሓፈሻዊ ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ 8ይን 12 ክፍልን ፈተና ክወሃቦምን: ሓፈሻዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ 22 ክሳብ 23 ሕዳር 2013 ዓ/ም ክፍተኑ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።

ነቲ ፈተና ዝወስዱ ድማ ሻውዓይ ክፍሊ ተማሂሮም ዝወድኡን ናይ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ፈረቓ ዝተኸታተሉን ክኾኑ ከምዘለዎም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ዝወስዱ ድማ: 11 ክፍሊ ዛዚሞም ዝሓለፉን: ናይ 12 ቀዳማይ መንፈቕ ዝወድኡን ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ካብ ሕዳር 28 ክሳብ 1 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ክወሃብ እማመ ቀሪቡ'ሎ።