ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ ኮይኑ ተመሪፁ

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል
መግለጺ ስእሊ,

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ሎሚመዓልቲ ዝተመስረተ ሓድሽ ባይቶ መንግስቲ ትግራይ፡ ንዶ/ር ደብረጽዮን ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኮይኑ ክመርሕ፡ ብምሉእ ድምፂ መሪፁ።

ብመሰረት ሕገመንግስቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ብመረፃ ዝተመስረተ ባይቶ: ዝበዘሐ መንበር ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ሰልፊ: ዝሓረዮ ውልቀሰብ ርእሰ ምምሕዳር ንክኸውን የቕርብ።

ብመሰረት'ዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ: ንኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ርእሰ ምምሕዳር ንክኾን ሓርዩ ኣቕሪቡ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት: ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ: ህወሓት ንዶ/ር ደብረጽዮን ዘቕረበሉ መበገሲ ንቲ ባይቶ ኣቕሪቡ።

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኮይኑ ዝተመረጸ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብቲ ጽምብል ኣብ ዘስመዕዎ ዘረባ፡ ንዕብየት ዴሞክራይታይዜሽን ክበሃል ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብቲ ባይቶ ንምእታው ፖለቲካዊ ስጉምቲ ተወሲዱ እዩ ኢሉ።

ምስ ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓባር ብምስራሕ ንህዝብና ክነገልግል ቃል ንኣቱ እውን ኢሉ።

" ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ሓድሽ ምትዕርራይ የድልዮ" ክብል ዝተዛረበ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብዚ ዓመት ምስ ኤርትራውያን ዝህሉ ሰላማዊ ርክብ ንምጥንኻር ኩለመዳይ ፃዕሪ ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዞባታትን ኣብ ክልልን ዘለዉ ሰበ ስልጣናት ኣብ ቀረባ እዋን ዳግመ ምትዕርራይ ክምዝግበር እቲ ርእሰ ምምሕዳር ገሊጹ ኣሎ።