ኣብ ኤርትራ 5 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel

ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 5 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቶም ሰባት ኣብቶም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት፡ ሙኲቲን ኣዲባራን ተዓቚቦም ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

"ብምልኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ" ይብል እቲ ሚኒስትሪ።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ ካልኦት 21 ኤርትራውያን ድማ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ'ውን፡ 4 እቲ ቫይረስ ሒዝዎም ዝጸንሐ ዜጋታት ሓውዮም ከምዝተፋነዉ ሓቢሩ ነይሩ።

ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 369 ክበጽሕ እንከሎ፡ እቶም 330 ካብኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ'ዮም።

እቶም ዝተረፉ 39 ግን ኣብ ሆስፒታላት ይእለዩ ከምዘለዉ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ዛጊት ኣብ ኤርትራ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ'ዩ ዝፍለጥ።

ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ ዝኣተወት ኤርትራ፡ በብቑሩብ'ኳ ከተፍኩሶ እንተ ተራእየት፡ ብወግዒ ግን እቲ "ምርጋጥ" ጸኒዑ ይርከብ።

ብሰንከ'ቲ ዕጽዋ ግን መነባብሮ ህዝቢ እናኸፍአ ከምዝኸደን፡ ብፍላይ እቶም ኣዝዮም ድኽነት ዘጥቅዖም ስድራቤታት ኣብ ጸበባ ከም ዝርከቡ ይግለጽ።