ታሪኽ፡ ኣፍሪቃውያን ቅርስታት ክሰርቁ ዝፈተኑ ተጣበቕቲ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም

ኣብ ውሽጢ ቤተመዘክር ዘለዉ ቅርስታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፈረንሳይ፡ ኣፍሪቃውያን ቅርስታት (ውርሻታት) ካብ ቤተ-መዘክር ክሰርቁ ፈቲኖም ብዝብል ዝተኸሰሱ ዜጋ ኮንጎ ዝኾነ ተጣባቒ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም።

ወዲ 41 ዓመት ኢምሪ ምዋዝሉ ዲያባንዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ እዩ፡ ኣብ ፈረንሳይ ካብ ዝርከብ ቤተ-መዘክር 'ኬ ብሃኽርልኒ'፡ ነቶም ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ናይ ቻድ ናውቲ ቀብሪ ሰሪቕዎም።

ካብቲ ቤተ-መዘክር ምስ ወሰደ ድማ፡ ብማሕበራዊ ሚድያ፡ ዝተዘመቱ ሃብትታት ኣፍሪቃ ይግበአኒ ንምባል ከምዝመፅአ ገሊፁ።

ኣብ ግዘ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተዘመቱ ቅርስታት ኣፍሪቃ ክምለሱ ይግባእ ዝብሉ ክትዓት፡ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናዛየዱ እዮም።

እዞም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፈረንሳይ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረቡ ሓሙሽተ ሰባት፡ ዝተመዝገበ ስራሕቲ እደ-ጥበብ ክሰርቁ ፈቲኖም ብዝብል ከኣ ተኸሲሶም።

ዓቀብቲ ሕጊ’ውን፡ ነዚ ስርሒት ንዝመርሐ ኢምሪ ምዋዝሉ ዲያባንዛ 1000 ዩሮ፡ ተሓባበርቱ ድማ ሓድሕዶም 500 ዩሮ ክቕፅዑ ሓቲቶም።

ዲያባንዛ ቅርስታት ኣፍሪቃ ንምዝማት እንትፍትን እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ቅድም ክብል’ውን ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳይ ካብ ቤተ-መዝክር 'ማኽሴን' ከምኡ'ውን ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ዝርከብ ቤተ-መዘክር 'በርግ ኢን ዳልን' ቅርስታት ኣፍሪቃ ክሰርቕ ከምዝፈተነ ተገሊፁ።

ዝተዘመቱ ቅርስታት ኣፍሪቃ ናብ ወነንቶም ክምለሱ ኣለዎም ዝብል ቅዋም ዘለዎ፡ ወዲ 41 ዓመት ዲያባንዛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ምስተኣሰረ፡ “ብስርቅን ናይ ሃገር ሃፍቲ ብምቕባልን” ንመንግስቲ ፈረንሳይ ከሲሱ እዩ።

ቅርስታት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምምላስ መንግስቲ ፈረንሳይ ምድንጓዩ ድማ ወቒሱ። ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን መረፃ ምዕዋቱ ስዒቡ፡ ገለ ባህላዊ ክቡራት ሃብትታት ኣፍሪቃ ንምምላስ ቃል ምእታዉ ይዝከር።

ኣብ 2018 ብፍሉይ ብፕረዝደንት እታ ሃገር ንኽካየድ ዝተወደበ ፀብፃብ፡ ኣብ ቤተ-መዘክራት ፈረንሳይ ኣስታት 90 ሽሕ ቅርስታት ኣፍሪቃ ከምዘለዉ ብምርግጋፅ፡ ኩሎም ግና ዝተወረሩ ወይ ዝተሰረቑ ከምዘይኮኑ ይሕብር።

ከም ፀብፃብ ወኪል ዜና ፈረንሳይ - ኤኤፍፒ፡ ክሳብ ሕዚ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ፅምብል ጉራደ ጥራሕ ናብ ሴኔጋል ዝለኣኸ እንትኸውን፡ ናብ ቤኒን ድማ፡ 26 ቅርስታት ንምምላስ ቃል ኣትዩ እዩ።

ወዲ 41 ዓመት ዲያባንዛ ግና፡ “ማክሮን ነቲ ዘመተ ኣፍልጦ ሂብዎ እንከብቅዕ፡ ብዝሒ ዝተመለሱ ቅርስታት ዝወሰነ ኮነ ዋንነቶም ናባና ክመሓላለፉ ከምዝግባእ ዝወሰነ ንሱ እዩ” ኢሉ።

እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ብይን ክህብ ትፅቢት ይግበር።