ሩስያ ናብ ዶባዊ ኲናት ንዝኣተዋ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ክተላዝብ እያ

ኣብ ማእኸል ውግእ ዘሎ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያ፡ ነቲ ንኣርመንያን ኣዘርባጃንን ንዓሰርተታት ዓመታት ከዋጥጠን ዝፀንሐን ሕዚ ድማ ምኽንያት ሓድሽ ውግእ ኮይኑ ዘሎን ጉዳይ ግዝኣት ኖጎርኖ-ካራባህ ንከብቅዕ፡ ንክልቴአን ሃገራት ክተላዝብ ተበጊሳ።

ንክልቲአን ሃገራት ፃውዒት ዘተ ሰላም ዘቕረበ፡ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ንኩናት ካብ ምምዳር ክቑጠባ ጸዊዑ።

ኣብ ሞንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ብዝተኸፈተ ኩናት፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ግዝኣት ኖጎርኖ-ካራባህ ይግበኣኒ ብዝብል፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ውግኣት እቲ ዝኸፈአ ይገብሮ።

ዋላ እኳ ኖጎርኖ-ናካርባህ፡ ብወግዒ ግዝኣት ኣዘርባጃን እንተኾነት፡ ብኣርመንያውያን እያ ትመሓደር ዘላ።

ቅድሚ ሕዚ፡ ኣካል ሶቭየት ሪፐብሊክ ዝነበራ እዘን ሃገራት፡ ካብ 1988 ክሳብ 1994 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብሰንኪ ግዝኣት ኖጎርኖ-ካራባህ ናብ ኩናት ኣምሪሐን ተዋጊአን እየን።

ሕዚ እውን እንተኾነ ዓለም-ለኸ ሓይልታት ናብዚ ጎንፂ ክፅምበራ እየን ዝብሉ ስግኣታት ሰማይ ይዓርግ ኣሎ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ላቭሮቭ ትማሊ ረቡዕ፡ ናብ ሚኒስተራት ወፃኢ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ብምድዋል፡ ሩስያ ንክልቲኤን ሃገራት ክተላዝበን ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ።

ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ሩስያ’ውን፡ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ምስ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብዚ ጉዳይ ብስልኪ ከምዝዘተየን፡ ጉጅለ ምትሕብባርን ፀጥታን ኣውሮጳ (ሚንስክ) ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ ኣሎ።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፡ ብቀጥታ ተኹሲ ደው ከብሉ ተደጋጋሚ ፃውዒት ቀሪብሎም እዩ። ምስ ኣርመንያ ወተሃደራዊ ሽርክና ዘለዋን ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣርመንያ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለዋን ሩስያ፡ ምስ መንግስቲ ኣዘርባጃን’ውን ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ።

እዚ ሕዚ ኣብ ሞንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ኩናት፡ መሊሱ ዝተበገሰሉ ምኽንያት ግልፂ ኣይኮነን።

ፕረዝደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ኣሊየቭ ግና ትማሊ ረቡዕ፡ ወተሃደራት ኣርመንያ ካብታ ግዝኣታ ክሳብ ዝወፅኡ ከምዝዋግኡ ፈኺሩ።

“ሓደ ቅድመ ኩነት ጥራሕ እዩ ዘለና። ወተሃደራት ኣርመንያ ብዘይ ቅድመ ኩነት፡ ምሉእ ብምሉእ ብቅልጡፍ ካብ መሬትና ክወፅኡ ኣለዎም” ኢሉ።

ኣዘርባጃን ብወገና፡ ክልተ ናይ “ፀላኢ” ታንክታት ኩናት ከምዝዓነዋ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ዕላዊ ዝገበረት እንትትኾን፡ ቦጦሎኒ ኣርመንያ ካብ ከባቢ ቁሸት ቶናሸን ከምዝሃደመን ገሊፃ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ረቡዕ ኣዘርባጃን ኣብ ማርታከርት ዝተባህለ ቦታ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ፡ ሰለስተ ሰለማውያን ከምዘተቐተሉ መራኸቢ ሓፋሽ ኣርመንያ ፀብፂቡ።

ከም ሓበሬታ ወኪል ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ኣርመንፕረስ ድማ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ሸውዓተ ሲቪላትን 80 ወተሃደራትን ተቐቲሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስተር ምክልኻል ኣርመንያ፡ ብቱርኪ ኤፍ-16 ናይ ዝተወቕዐት ጀት ኤስዩ-25 ዘርእይ ምስሊ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። መሻርኽቲ ኣዘርባጃን ዝኾነት ቱርኪ ግና፡ ንክሲ ኣርመንያ “ሕሳር ፕሮፖጋንዳ” ብምባል ነፂጋቶ።

ይኹን’ምበር ሓደ ወተሃደር፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሰሜን ሶርያ ከምዝተመልመለን፡ ናብቲ ኩናት ብቱርኪ ኣቢሉ ከምዝተልኣኸን ንቢበሲ ዓረብኛ ገሊፁ እዩ። ኣማኻሪ ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶኻን ዝኾነ ኤልኑር ሴቪክ ግና፡ ነዚ ፀብፃብ “ምሉእ ብምሉእ ዘየለ” ክብል ተቓዊምዎ።

እዚ ውግእ ኣብ ሞንጎ ኣባል ኔቶ ዝኾና ሃገራት ፈረንሳን ቱርክን ውጥረት ኣስፊኑ'ሎ። ፈረንሳይ መንበሪት ብዙሓት ኣርመናውያን እንትትኾን፡ ቱርኪ ድማ ኣብ ኣዘርባጃን ንዝርከቡ ቱርካውያን ትድግፍ።

ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቩሶግሉ፡ ፈረንሳን “ንኣርመንያውያን ትድግፍ እያ” ክብል ትማሊ ረቡዕ ከሲሱ። ነዚ ምላሽ ዝሃበ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ድማ፡ ካብ ቱርኪ ንዝመፅኡ “ኩናታዊ ቃላት” ነቒፉ።

ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ሩስያ ድማ፡ ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ምስ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ጉዳይ ክረምሊን ብስልኪ ከምዝዘተዩን፡ ጉጅለ ምትሕብባርን ፀጥታን ኣውሮጳ (ሚንስክ) ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ከምዝሰርሕን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብ 1992 ዝተጣየሸ ጉጅለ ሚንስክ፡ ብሃገራት ፈረንሳይ፣ ሩስያን ኣሜሪካን ዝምራሕ እዩ።