ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ፡ ትሕቲ ዕድመ መርዓ የጋድድ ኣሎ- ሴቭ ዘ ቺልድረን

ተምሃሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምቲታ፡ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ዘይተርኣየ ብዝሒ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ሴቭ ዘ ቺልድረን ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ሓቢሩ።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ እቲ ለበዳ ሰባት ንድኽነት የቃልዕ ከም ዘሎን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ትምህርቲ ገዲፈን ናብ ስራሕ ወይ ሓዳር ክኣትዋ ከም ዝግደዳ ገሊጹ።

በቢዓመቱ ኣስታት 12 ሚልዮን ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ዝምርዐዋ ኮይነን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ተወሰኽቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ንትሕቲ ዕድመ መርዓ ክቃላዓ ከም ዝኽእላ ይግመት።

ብብዝሒ ተቓላዕቲ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ኤስያ እንትኾና፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ፣ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ስዒበን ዝቕመጣ እየን።

ህንዲ ካብተን ብምኽንያት ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ሰፊሕ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ብዝበዛ ጉልበትን ህጻናትን ዝተራእየለን ሃገራት ሓንቲ ከም ዝኾነት ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ክምርዐዋ ዘይፍቀድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ህንዲ ሲሶ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ መርዑት ዓለም ከም ዝርከባ ዩኒሴፍ ይገልጽ።

ኣብ ህንዲ ዓመታዊ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝምርዐዋ ጸብጻብ ዩኒሴፍ የመልክት።