ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ደው ኢላ ዘላ መርከብ ነዳዲ ከቢድ ሓደጋ ከተስዕብ ከምእትኽእል ኤርትራ ኣጠንቂቓ

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ተስፋይ ገረብስላሰ

ምንጪ ስእሊ, UN

መግለጺ ስእሊ,

ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ተስፋይ ገረብስላሰ

ኣብ ገማግም የመን ደው ኢላ ዘላ ናይ ነዳዲ መርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕድሮ ስነሂወት ባሕሪን ቁጠባን ዓቢ ዕንወት ከየውረደት ህጹጽ ኣቓልቦ ክግበረላ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ከባብን ኤርትራ ጸዊዑ።

እቲ ኣብታ መርከብ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናብ ባሕሪ ክልሑኽ ከም ዝኽእል ሚኒስተር ተስፋይ ገረብስላሰ ኣጠንቂቑ።

"ዝምልከቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት የመን ንክተሓባበሩ ንምትብባዕ ናይ ሓባር መርገጺ ከም ዘድሊ ኤርትራ ትጽውዕ" ብምባል ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ።

እታ ናይ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዋ መርከብ ካብ ወደብ ሑደይዳ ንሰሜን 60 ኪሜ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማያት'ያ መልህቓ ሰዲዳ ዘላ።

ኣብታ 'ኤፍ-ኤስ-ኦ ሴፈር' ተባሂላ እትጽዋዕ ታንከር ዘሎ መጠን ነዳዲ 40 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኮይኑ፡ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲን ሓይልታት ናይቲ ብሱዕዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ክሰማምዑ ብዘይምኽኣሎም ሓዲግ ተሪፋ ከምዘላ ይግለጽ።

እታ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ፡ እቲ ነዳዲ ብውሑስ ኣገባብ ከራገፍ ክኽእል ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ተቐናቐንቲ ወገናት ኲናት ሓድሕድ የመን ጸቕጢ ክግበር'ያ ትጽውዕ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ሒዛቶ ዘላ መጠን ነዳዲ 40 ሚልዮን ዶላር ይግመት

እቲ ነዳዲ ናብ ባሕሪ እንተፈሲሱ፡ ነቲ ዘይተበከለ ተባሂሉ ዝግለጽ ቀይሕ ባሕሪን ዕቑር ጸጋታቱን ዓቢ ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል ኪኢላታት የጠንቅቑ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓደጋ ንምእላይ ክዘራረብ'ኳ እንተ ጸንሐ፡ ብሰንኪ ዘይምስምማዕ ሓይልታት የመን ክሰልጥ ኣይካኣለን።

ሚኒስተር ተስፋይ፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ስነሂወታዊ ብዙሕነት ሕቡራት ሃገራት'ዩ ነቲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2040 ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢ ተረጋጊኡ ንድሌታት ዜጋታት ዘርብሕ ንክኸውን፡ ዝተወሃሃደ ውጥን ምምሕዳር ኣከባቢ ኣዳልዩ ከምዘሎ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ብቪድዮ ዘቕረቦ መደረ ጠቒሱ።