ኣብ ኤርትራ 6 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ቤተፈተነ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

ኣብ ኤርትራ ተወሰኽቲ 6 ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ኩሎም ኣብቶም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መወሸቢ ማእከላት ተወሺቦም ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቶም ሰባት፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝኣተዉ'ዮም።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ 12 ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ። እዚኦም፡ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካን ደቡብን ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 381 በጺሑ ከምዘሎ ይፍለጥ። ካብዚኦም እቶም 353 ሓውዮም ዝተፈናዉ'ዮም።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ'ቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ'ዩ ዝፍለጥ።

ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኤርትራ ብወገዒ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ልምዓታዊ መደባት ዝርከብዎም ብዙሓት ንጥፈታት ግን ይካየዱ ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ።

ዋላ'ኳ ትምህርቲ ብኸፊል ተኸፊቱ እንተሎ፡ ዝበዝሑ ተምሃሮ ሕጂ'ውን ናይዚ ዓመት መደብ ትምህርቶም ኣይጀመሩን።

በረራታት ተኣጊዶም፡ ካልኦት ዓበይቲ ውራያትን ጽምብላትን'ውን ተደሪቶም ይርከቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝተፈላለ ክፍላተዓለም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ይንገር።