ኣብ ሩስያ ከቢድ ባርዕ መኽዘን ኣጽዋር ኣጋጢሙ

ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ነበርቲ 14 ቁሸታት ካብ ከባቢኦም ክወጹ ተገዲዶም

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መኽዘን ኣጽዋር ብዘጋጠመ ባርዕ፡ ነበርቲ 14 ዓድታት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ክወጽኡ ተገዲዶም።

በቲ ሓደጋ ብውሑድ 6 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ። ድሮ እውን ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

እቲ መኽዘን ሚሳይላትን ካልኦት ከቢድ ብረትን ከምዝነበሮን ኣስታት 70 ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

ትማሊ ረቡዕ ብሳዕሪ መሮር ዝጀመረ ባርዕ ናብቲ መኽዘን ልሒሙ ነቲ ኣጽዋር መሰባርዖ ከቢድ ድምጺ ነትጒ ኣኸቲሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ከባቢ 70 ኣባላት ምክልኻል ባርዕ ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም ኣለዉ

መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ኣብ ዝዘርግሕኦ ምስሊ፡ ዕሙር ጸሊም ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ይረአ። ኣስታት 2ሽሕ ዝኾኑ፡ ኣብ ክሊ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነብሩ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ከምዝገዓዙ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

ወኪል ዜና ሩስያ 'ሪያ'፡ ኣመሓዳሪ እቲ ግዝኣት ኒኮላይ ሊዩቢሞቭ "ነቶም ሰባት ካብቲ ከባቢ ንምውጻእ ዘኽእል ኩሉ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ" ምባሉን እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ጸብጺቡ።

ዓሚ እውን ኣብ ሳይቤሪያ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣጽዋር ብዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 10ሽሕ ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክወጽኡ ተገይሩ ነይሩ።