ግዜ ዝበልዐ ሕቶ ፍትሒ፡ ዓቀብቲ ሕጊ ክልል ትግራይ

  • ላየን ፅጋብ
  • ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ
ልዕልና ሕጊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓቀብቲ ሕጊ ትግራይ: ኣብ ካልኦት ክልላትን ፌደራልን ምስ ዝርከቡ መዛኖኦምን ደያኑን ማዕረ ስራሕ እናሰርሑ፡ ኣብ መሃያን ካልኦት ጥቕማ ጥቕምን ግን ከምዝተጓነዩን፡ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ንትካላዊ ነፃነቶም ከሊኡ ኣብ ስርሖም ዕንቅፋት ከምዝኾኖምን ንቢቢሲ ገሊፆም።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ስሩዕ መንግስታዊ ናይ ፍትሒ ኣካል ምስ ተጣየሸ፡ ካብ 1985 ዓ/ም ግእዝ ጀሚሩ፡ ዳያኑን ዓቀብቲ ሕግን [ኣብ ኩሉ ክልላት] ዳርጋ ተመሳሳሊ ዓይነት መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ክኽፈሎም ፀኒሑ።

ኣብዚ መደብ፡ ምእንተ ድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዝቐየርናዮ ዓቃቢ ሕጊ *ዳንኤል፡ ኣብ ካልኦት ክልላትን ፌደራልን ዝርከቡ ዓቀብቲ ሕጊ ናይ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ገዚፍ ኣፈላላይ ምፍጣሩ፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ዓቀብቲ ሕጊ ሰፊኑ ዘሎ ቅሬታ ቀንዲ መበገሲ ከምዝኾነ ይሕብር።

ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ካልኦት ክልላትን ፈደራልን "ካብ 15 ክሳብ ልዕሊ 20 ሽሕ እናተወሰኹ፡ ንሕና ግን 8700 ብር ( ሸሞንተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን) ወርሓዊ መሃያ ይኽፈለና። እዚ ኣፈላላይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ እዩ ተፈጢሩ። ንኣብነት፡ ናይ ኦሮምያ እንተወሲድና፡ ንወርሒ ካብ 18 ሽሕ ክሳብ 21 ሽሕ እዮም ዝወስዱ" ይብል።

ኣብ ቢሮ ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ፡ ዓቃቢት ሕጊ ወይዘሮ ትዝታ ጌታቸው፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ዓቀብቲ ሕጊ ትግራይ ዘጋጠመ ናይ ደሞዝ ጋግ ንክፍታሕ እኳ እንተተማሕፀኑ፡ ዛጊድ ሰማዒ ከምዝሰኣኑ ትዛረብ።

"ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ክፍሊት ክህሉ እኳ እንተተደንገገ፡ ንሕና ግና ኣዝዩ ትሑት ክፍሊት ኢና ንኽፈል። ንልዕሊ ሸውዓተ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ሓቲትና፡ ክሳብ ሕዚ ግን ሕቶና ኣይተመሰለልናን፤ ምኽንያቱ'ውን ክርድአና ኣይከኣለን" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, TIZTA GETACHEW

"ኣብ መኸተ ስለዘለና ክንውስኽ ኣይንኽእልን"

ዳያኑን ዓቀብቲ ሕግን፡ ንሓሙሽተ ዓመት ብሓንሳብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ሕጊ እዮም ዝመሃሩ። ትምህርቶም ምስ ወድኡ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ኣካላት ፍትሒ ኣትዮም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ይስልጥኑ። ብድሕሪኡ ዳኛን ኣኽባሪ ሕግን ዝኾኑ፡ ብዕጫ ይፈላለዩ'ሞ እሞ እቲ ዳኛ ዝበፅሖ ዳኛ ይኸውን፤ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ክኸውን ዕጫ ዝበፅሖ ከኣ ኣኽባሪ ሕጊ ይኸውን። ዓይነትን ንውሓት ትምህርቶምን ሓደ ስለዝኾነ ደሞዞም'ውን ማዕረ እዩ። ሓደ ዓይነት ክፍሊትን ጥቕምን ዕቤትን ከኣ ይረኽቡ። እዚ ኣገባብ ክሳብ ዝሓለፈ ሰነ 2011 ዓ.ም ከምዝነበረ ፈለጥቲ ይዛረቡ።

ንዳያኑ ክልል ትግራይ ከከም ደረጀኦምን ኣገልግሎቶምን ካብ 80 ክሳብ 100 ፐርሰንት ደሞዝ ከምዝተወሰኾም ዝገልፅ ዳንኤል፡ ንዓቀብቲ ሕጊ ግን፡ ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ብዘሎ ኣፈላላይን ፖለቲካዊ ኩነታትን፡ ኣብ "መኸተ" ስለዘለና ክንውስኽ ኣይንኽእልን ዝብል ምላሽ ከምዝተወሃቦም፡ ይሕብር።

"ኣብ ትግራይ፡ ዳያኑ'ውን እንተዘይውሰኹ ነይሮም፡ እቲ ኣብ መኸተ ኣለና ዝብልዎ ምኽንያቶም መእመነ። ነቲ ሓደ ወሲኽካ፡ ነቲ ሓደ ምትራፍ ግና፡ ብፍፁም ምኽንያታዊ ክኸውን ኣይኽእልን። ብዘይካ ዳያኑ፡ ነቶም ካቢኔን፡ ንዓቀብቲ ሕጊ ዝድግፉ ሰራሕተኛታን ከይተረፉ እዩ ተወሲኽዎም። ዓቃቢ ሕጊ ግና፡ ኣብቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ደሞዝ'ዩ ዘሎ" ዝብል ቅሬታ ኣለዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንማዕረ ሞያ፡ ማዕረ ክፍሊት ዝብል መስርሕ ከም ክልል'ውን ተቐባልነት ረኺቡ፡ ኣብ ደምቢ ዓቀብቲ ሕጊ ሰፊሩ ክስረሐሉ ከምዝፀንሐ ዝገልፅ ዓቃቢ ሕጊ ሙዑዝ ፀጋይ ብወገኑ፡ ዋላ መሰሎም እንተሓተቱ፡ ካብ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል፡ 'ናይ ዳያኑ ደሞዝ ክንቅንስ እንተዘይኮይኑ ናትኩም ደሞዝ ኣይንውስኽን'፡ ካብ ዝብል ወፃኢ ካልእ መልሲ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ይገልፅ።

እቲ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ጉባኤ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ዳያኑ፡ ተመሳሳሊ ደሞዝን ጥቕማ ጥቕምን ክወሃብ ኣፅዲቑ፡ ናብ ፈፃሚ ስራሕ መንግስቲ ናብ ካቢኔ ሰዲድዎ ነይሩ። እንተኾነ ካቢኔ ክንድኡ ክንከፍል ኣይንኽእልን፤ ናይ ዓቃቢ ሕጊ ደሞዝ ቀንስዎ ብዝብል መሊሶሞ። ተወከልቲ ጉባኤ ዓቀብቲ ሕጊ ድማ፡ ንዕዳጋ ኣፅኒዑ ከምዝተወሰነን ናይ ደያኑን ካልኦት ክልላትን ፌደራልን ደሞዝ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለዝኾነ ኣይንቕስን ኢሎም ከምዝመለሱዎ ሙዑዝ ይዛረብ።

"ህይወትና ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ኮይኑ"

እዞም ሰብ ሞያ፡ ብኽቡር ናብራ እናተፀገሙ፡ ንኣገልግሎት ህዝቢ ብምቕዳም ክሳብ ሕዚ ክሰርሑ ከምዝፀንሑን፡ ሕዚ ግና ስራሕ ናብ ምቁራፅ የምርሑ ከምዘለዉ፡ ዝዛረብ ዓቃቢ ሕጊ ሙዑዝ፡ "እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ከምዚ እናጋጠሞ፡ ንሕብረተሰብ ብኣግባቡ ክግልገል ኣይኽእልን። ኣብቲ ህይወትና'ውን፡ ናብራ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ'ዩ ኮይኑ ዘሎ፡ መብዛሕትኡ ዓቃቢ ሕጊ፡ ስራሕ እናሓደገ ናብ ጥብቅና ይወፅእ'ሎ። ኣይኮነን'ዶ ናብ ጥብቅና ወፂእኻ፡ 'መመልከቻ' ፅሒፍካ'ውን፡ ልዕሊ እቲ እንኽፈሎ ወርሓዊ መሃያ'ዮም ዝረኽቡ" ብምባል፡ መብዛሕትኦም ዓቀብቲ ሕጊ ተስፍኦም ተፀንቂቑ፡ ስራሕ ብኣግባቡ ክሰርሑ ከምዘይከኣሉ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, MUEZ TSEGAY

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ብወገኑ፡ እቲ ብዓቀብቲ ሕጊ ዝቐርብ ዘሎ ቅሬታ ትኽክል ምዃኑን ከምዝኣምንሉን፡ እቲ ሕቶ ግን ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ብካቢኔ ከምዘይፀደቐን ይገልፅ።

"መንግስቲ ነቲ ዝቐረበ መጠን [ወሰኽ]፡ ልዕሊ ዓቕሚ እዩ ኢሉ። እቲ መንግስቲ ዝበሎ'ውን ሓቁ'ዩ፤ ዓቀብቲ ሕግን ዳያኑን እቲ ዝበሃል ዘሎ መሃያ ኣይግበኦምን ማለት ኣይኮነን። ግና ምስቲ ናይ ክልልና ዓቕሚ ብዙሕ'ዩ። ስለዚ ዝከኣልን ንክልልና ዝመስል መጠን ተስተኻኺሉ ይቕረብ ኢሉ ዕዮ ሂቡና'ሎ" ዝብል ኣይተ ኣማኑኤል፡ ንዕኡ መሰረት ጌሮም ከስተኻኽልዎ እውን እንተፈተኑ፡ ሕዚ'ውን ምስቲ ኣብ ቤት-ፍርዲ ዝኽፈል መሃያ፡ መጠኑ ክፈላለ'ዩ ኢሉ። ይኹን'ምበር እቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ ሕቶ ዓቀብቲ ሕጊ፡ ክሳብ መዓስ እዩ ዝፍታሕ ንዝብል ሕቶ ግና ርግፀኛ ኣይኮነን።

"እዚ ብሓደ ቢሮ ዝፍታሕ ኣይኮነን፡ ንሕና ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሕቶ ኢና ነቕርብ። እዚ ክልል እዚ፡ ብዙሕ ናይ በጀት ፀገም ዘለዎ እዩ። ካብ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ካብ ነጋዶን ሓረስታይን ደገፍ እናሓተተ ዝንቀሳቐስ ዘሎ መንግስቲ'ዩ። ስለዚ ንዓቕሚ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ክትገብርዎ ይግባእ ዝብል'ምበር ክትውሰኹ የብልኩምን ዝበለ የለን፡ ማዕረ ክኾኑ የብሎምን፡ ዝብል'ውን ናይ መንግስቲ ኣንፈት የለን። ግና ክሳብ እዚ መዓልቲ ክኸውን እዩ ክበሃል ኣይከኣልን፡ መንግስቲ ምስ ወሰነ'ዩ ዝፍታሕ" ዝብል ምላሽ ይህብ።

እንድሕር ንስርዓት ዳንነት ስራሕ ካብ ዝጀመርሉ ግዘ ጀሚሩ፡ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ንምኽፋል ዓቕሚ ሃልዩ፡ ነዞም ዓቀብቲ ሕጊ'ውን ክኸፈል ኣለዎ ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡ ዝገልፅ እቲ ሓላፊ፡

"መንግስቲ፡ ከመይ ኣቢልኩም ንስኹም ከምዚ ዝበለ ሕቶ ተቕርቡ፡ ዘይትፈልጥዎ ሃፍቲ መንግስቲ'ዶ ኣሎ እዩ? ድኻ መንግስቲ'ዶ ክንድዚ ዝኣክል ክኸፍል ይኽእል እዩ? ንኣካላት ፍትሒ ክንኸፍሎ ዝግበአና መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ብዓቕሚ ክልልን ህዝብን መሰረት ጌርኩም እንዶ ኣምፅእዎ ኢሉና። ስለዚ ንሕና ነፂልና ናይ በይንና በታ ዓቕሚ ዝተባህለት ንምውሳድ ፀጊሙና ኣሎ። ናይቲ ዓቃቢ ሕጊ ሕቶ ክንምልሶ ኣይንኽእልን፤ ምኽንያቱ ናይቲ ዓቃቢ ሕጊ ሕቶ፡ ደሞዝ ይወሰኸልና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምስ ዳያኑ ማዕረ ንኹን'ውን ዝብል ስለዝኾነ"ይብል።

"ወይለይ! ሂቡ ዝልምን መንግስቲ'ዩ ዘለና"

ሕቶ ዓቃቢ ሕጊ ንምምላስ ናይ ዳያኑ መሃያ ምቕናስ ወይ ከዓ 'ኣብ መኸተ ኣለና' ዝብል መልሲ ሂቡኒ ዝብል ቅሬታ፡ "ጠቕሊሉ ሓሶት'ዩ" ዝብል ኣይተ ኣማኑኤል፡ ናይ ዓቀብቲ ሕጊ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ንምሕታት፡ ቤት-ፍርዲ ዝኽፈልዎ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ናብ ካቢኔ ከምዘቕረቦን፡ እንተ ናይ ዳያኑ መሃያ ምቕናስ ግና፡ ንዕኡ ከምዘይምልከቶ ተዛሪቡ።

"ኣብ መኸተ ኢና ዘለና፡ ማንም ሰብ ክኽሕዶ የብሉን። ዓቃቢ ሕጊ ብዛዕባ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን ክጭነቕ ኣይኮነን ንደልዮ። ንመጠን ወሰኽ ዝምልከት ክለዓል እንከሎ ግን፡ ኣብዛ እዋን እዚኣ ክንድዚ 'ምበር፡ ክንድዚ ኣይትምልከተናን፡ ክንድዚኣ እምበር ክንድዚኣ ክትከውን የብላን ዝብል እዩ። ወይለይ! ናይ መንግስቲ ኣመራርሓ እኮ ኢና፡ ናይቲ መንግስቲ ሃብቲ ንፈልጥ ናይ መንግስቲ ኣካላት እኮ ኢና። ታይ ደኣ ክንብል'እሞ? ሓፊስካ ዝወሃብ እንተዝኸውን እማ ደስ ምበለና፡ ግና ሂቡ ዝልምን መንግስቲ እንድዩ ዘለና" ይብል፡ "ኣብዛ ሰዓት እዚኣ" ዓቀብቲ ሕጊ ካብ ጅቡአም ንመንግስቲ እቲ ክልል ቅርሺ ከዋፅኡ ከምዝተሓተቱ'ውን ብምሕባር።

"ዝተቐየደ" ትካላዊ ናፅነት ዓቀብቲ ሕጊ

እዞም ዓቀብቲ ሕጊ፡ ምስቲ ዘሎ ኩነታት ናብራ ስለዝተፀገሙ፡ ወሰኽ መሃያን ማዕረ ክፍሊትን ኣልዒሎም እምበር፡ ካብኡ ንላዕሊ ንዓቀብቲ ሕጊ እቲ ክልል ዝቐየዶምን ዘንፀርፀሮምን፡ ትካላዊ ነፃነት ዘይምህላዉን ኢድ ኣእታውነትን ከምዝኾነ'ዮም ዝገልፁ።

ዓቃቢ ሕጊ ትግራይ፡ ነፃነቱ ዝኸኣለ ትካል ኮይኑ፡ ንመሰሉ ባዕሉ ክውስን እናተገብኦ፡ ተፀዋዕነቱ ናብ ካቢኔ ክኸውን ዝተገበረ፡ ካብ ብጉሓቱ፡ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ክሓድሮ ስለዝተደለየ'ዩ ዝብል ቅዋም ድማ ኣለዎም። ተፀዋዕነት እቲ ዓቃቢ ሕጊ ካብ ካቢኔ እቲ ክልል ክወፅእ ድማ ይጠልቡ።

ኣብ ስራሕ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ኩሉ ኢዱ ከእቱ ከምዝደሊ ዝገልፅ *ዳንኤል፡ "ትካላዊ ነፃነት የብሉን። ማንም ካቢኔ ወይ ከንቲባ መፅዩ እዩ ዘፋጥጠልካን ከምዚ ግበር፡ ከምዚ ኣይትግበር ዝብለካን። ብሓፂሩ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ኣለዎ። ስለዚ ተነቀፍቲ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብነፃነት ንምውሳን፡ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ" ብምባል፡ እቲ ናይ መሃያን ካልኦት ጉዳያትን'ውን ትካላዊ ናፅነት ናይ ዘይምህላው ውፅኢት ከምዝኾነ ይኣምን።

"ብላዕሊ ዘሎ ሓላፊ እንድሕሪ ክኸሰካ ደልዩ፡ ክኸሰካ ዘኽእሎ መዓት ክፍተታት ኣለዉ። ኣብ እትውስኖ ውሳነታት ኣግባብ ኣይኮነን ኢሉ ክኸሰካ ወይ ከባርረካ ይኽእል። ነፃነት ዝበሃል ነገር የብሉን። ዝኾነ ዓይነት ውሕስና የለን፤ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ" ይብል።

"ኣባላት ህወሓት ክንኾን ንግደድ፡ መሃያና ይቑረፅ"

ደምቢ መመሓደሪ ዓቀብቲ ሕጊ እቲ ክልል፡ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ዝኾነ ኣባል ውድብ ክኸውን ከምዘይኽእል ብግልፂ ከምዝደንገጎ ዝገልፁ እዞም ሰብ ሞያ፡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ንርእሱ ኣመራርሓ እቲ ገዛኢ ውድብ ብምዃኑ፡ ኣባላት ህወሓት ንክኾኑ ፀቕጢ ከምዝግበረሎም ይገልፁ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዓቃቢ ሕጊ ኣይተ ግርማይ ካሕሳይ፡ ኣባላት እቲ ገዛኢ ውድብ ከይኮኑ፡ ብዘይፍቓዶም ካብ መሃይኦም ገንዘብ ካብ ዝተቖርፆም ሰባት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, GIRMAY KAHSAY

"ፋይናንስ ገንዘብና ብቀጥታ'ዮም ናብ ባንኪ ዘእትውዎ ነይሮም። ካብኡ ግና መሃያና ከምዝተቖረፀ ምስፈለጥና፡ ንምንታይ ትቖርፅዎ ኢልና ሓቲትና፡ ናይ ኣባልነት ውድብ እዩ ኢሎምና። ናይ ኣባል ውድብ ዝቑረፅ ብፍቓድካ ኣባል እንተኾይንካን ደሞዝካ ንክቑረፅ እንተፈቒድካን'ዩ። ስለዚ መልሱልና ክንብሎም እንከለና፡ ንመደናጎይ እሺ እናበሉ፡ ብዙሕ ግዘ ሓቲትናዮም ክመልሱልና ኣይከኣሉን። ሕዚ ንሳልሳይ ግዘና፡ ኣባል ውድብ ምስ ዝኾኑ ማዕረ እዮም ደሞዝና ዝቖርፅዎ ዘለዉ" ብምባል፡ ንምንታይ ኣባል ዘይትኸውን ዝብል ጎስጓስ ከምዘጋጠሞን ከምዝካየድን ይገልፅ።

ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ግና፡ ' እዚ ቅሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ'ዩ' ይብል።

"ሓደ በዓል ሞያ ሕጊ፡ ኣባል ውድብ ምዃን፡ መሰል ድዩ ግቡእ፡ ማንም ሰብ ክነግሮ ኣይኽእልን። ባዕልኻ ፈቲኻ ኢኻ፡ ኣባል ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ትኸውን። ሱቕ ኢሉ መሃያ ከምዘይቑረፅ'ውን ይፈልጥዎ'ዮም። መሃያ ዝቑረፅ ብድሌት ወይ ብሕጊ ጥራሕ'ዩ። ዝኾነ ሰብ መሃያ ክቖርፅ ኣይኽእልን። ዝኾነ ሰብ ተገዲዱ ኣባል ኮይኑ ገንዘብ ክቑረፀሉ ኣይኽእልን" ክብል ይምልስ።

ድምፂ ዓቀብቲ ሕጊ "ዘደስከለ" ኣዋጅ

ንኣዋርሕ ዝኣክል መልሲ ሕቶታቶም ክረኽቡ ክምሕፀኑ ዝፀንሑ ዓቀብቲ ሕጊ ትግራይ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን 25 መስከረም 2013 ዓ.ም ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድማ ንከካይዱ ክንቀሳቐሱ ተራእዮም ነይሮም። መዓልታት እናቐረቡ ክመፅኡ እንከለዉ ግና፡ ብሓላፊ ቢሮ ፍትሒ "ምኸርዎም" ብዝብልን፡ ብዝተገበሩ ፀቕጥታትን ካብቲ ዝተሓሰበ ኣድማ ከንሳሕቡ ከምዝተገደዱ ይዝረብ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ትግራይ ሰራሕተኛታት መንግስትን ውልቀ ትካላትን ከምዘለውን እቶም ሰራሕተኛታት ዝመሓደርሉ ሕጊ ዝተፈላለየ ምዃኑን፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብናይ ሲቪል ሰርቫንት ኣዋጅ ክመሓደሩ እንከለው ኣብ ውልቀ ትካላት ዝሰርሑ ሸቃሎ ግን ብሕጊ መስርሕን ሰራሕተኛን ከምዝዳነዩ ይፍለጥ።

እቶም ኣብ ውልቀ ትካላት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ተመሓይሹ ብዝወፀአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1156/11 ይመሓደሩ።

ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ኣብ ናይ ውልቀ ትካላት ዝሰርሑ ሸቃሎ እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ኣግልግሎት ንዝህቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣይምልከትን ኣድማ ምክያድ ኣይፍቀድን።

እቶም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስረሖም ደው ከየበሉ ሕቶም ከቕርቡ ይሕተቱ። ብፍላይ ኣብ ትግራይ፡ ዓቀብቲ ሕግን ዳያኑን ዝመሓደርሉ ደንብታት ኣለዎም።

እቲ ዓቀብቲ ሕጊ ዝመሓደርሉ ደንቢ ቁፅሪ 104/2012 ዓንቀፅ 68(21)ን ብኣውርኡ ድማ ሕገ ገበን ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 421፡ ዝኾነ ይኹን ሰራሕተኛ መንግስቲ ክእድም ከምዘይብሉ ይድንግግ። እኳ ደኣስ ዝኣደመ ወይ ከኣ ንካልኦት ዘአደመ ብገበን ተሓታቲ ኮይኑ ሓደ ሽሕ ብር ከምዝቕፃዕ ኣብቲ ሕጊ ተፃሒፉ ከምዝርከብ ብዛዕባ'ዚ ዛዕባ ኣፍልጦ ዘለዎም ይዛረቡ።

ብካልእ ወገን እቶም ቕረታ ዘቕረቡ፡ ቅድሚ ሕዚ ሓድሽ ደምቢ እንክፀድቕ ብብርኪ ክልል ዓቀብቲ ሕጊ ተመያይጦምሉ ይፀድቕ ከምዝነበረ ዝገልፁ እቶም ሰብ ሞያ፡ ነቲ ንኣዋርሕ ከልዕልዎ ዝፀንሑ ናይ መሰል ሕቶታትን ድምፆምን፡ 'ዘደስክልን ዝዕፍንን' ሓድሽ ኣዋጅ ብዘይ ኣፍልጥኦም ምፅዳቑ ቁጠዐ ከምዝፈጠረሎም ሙዑዝ ፀጋይ ይዛረብ።

"እዚ ሓዳሽ ኣዋጅ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2012 ዓ.ም ኣፅዲቐሞ፤ ንሕና ሕቶታት ምስ ኣልዐልና ኣማሓይሾሞ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መወዳእታ 2011 ዓ፡ም ኣብ ዝወፅአ ደምቢ ዓቀብቲ ሕጊ ንዝተገለፁ ጥቕማ ጥቕሚ ዝኣለየን፡ 'ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንናይ ዓቃቢ ሕጊ ሞያ ዝፃረር፡ ብስእሊ ይኹን ብፅሑፍ ዝለጠፈ፡ ብጉድለት ስነ-ምግባር ይሕተት' ዝብል ዘካተተን እዩ" ይብል፡ ዓቃቢ ሕጊ ሙዑዝ ፀጋይ።

እዚ፡ ንሕቶታት ዓቀብቲ ሕጊ ብኣካል መልሲ ብምስኣኖም፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ንከይሓቱ፣ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ኮነ ኣብ ነፃነቶም ሕቶታት ከየልዕሉን፡ ንዘለዉ ፀገማት ከይቃልዑን ዓሊሙ፡ ኮነ ተባሂሉ ዝወፅአ ሓድሽ ደምቢ ምዃኑ ይገልፅ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮሌጅ ሕግን ምምሕዳርን ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ፡ ነዚ ሓድሽ ደምቢ ንህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ዘየእተወን፡ ሓሳብካ ብነፃነት ኣብ ናይ ምግላፅ መሰል ዝተገበረ ናይ "ዓፈና ስጉምቲ" ክብል ይገልፆ።

ምንጪ ስእሊ, YEMANE KASSA

"ዓቀብቲ ሕግን ዳያኑን፡ ካብ ሴክተራት ሲቪል ሰርቪስ ብዝተፈለየ ነናይ ባዕሎም ፍልይ ዝበለ ባህርይ ስለዘለዎም፡ ናይ ባዕሎም 'ኮድ ኦፍ ኮንዳክት' ዝበሃል፡ ብደምቢ ዝወፅአ ኣለዎም። ይኹን'ምበር፡ ንዘጋጥሞም ዘሎ ፀገም፡ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሞም ኣብቲ ወሳኒ ኣካል ፅዕንቶ እናፈጠሩ ይመፅኡ ከምዘለዉ ምስ ረኣዩ፡ ኣፎም ንምትሓዝ ተባሂሉ ዝወፅአ'ዩ 'ምበር፡ ንክብርን ሞያን ዓቃቢ ሕጊ ዝተሓሓዝን ዝረግፅን ፅሑፋት እንተፅሒፎም እኮ፡ ብገበን ሕጊ'ውን፡ በቲ ናይ ባዕሎም ኮድ ኦፍ ኮንዳክት'ውን፡ ተሓታቲ ምግባር ይከኣል እዩ" ይብል።

እዚ ናይቲ ስርዓት'ውን ዓብይ ፀገም ከምዝኾነ ዝገልፅ ሓጋዚ ፕሮፌሰር፡ ሕጊ ሓፈሻዊ ኮይኑ'ዩ ዝወፅእ፡ ሕዚ ዝወፅኡ ዘለዉ ሕግታት ግና፡ ንዝኾነ ጉጅለ 'ታርጌት' ዝገበረ'ዩ ዝመስል ዝብል ትዕዝብቲ ኣለዎ።

"እቲ ዝወፅአ ኣዋጅ፡ እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መሰሎም ንምኽባር ዝፀሓፉ ዓቀብቲ ሕጊ፡ ካብ ስርሖም ከባርር ይኽእል'ዩ፡ ናይ ዲሲፒሊን ጥሕሰት ገይሮም ፅሒፎሞ ስለዘለዉ። ኣብ ናፅነት ሚድያ፡ ኣብ መሰል ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅ ዝተገብረ ናይ ዓፈና ስጉምቲ ገይረ'የ ድማ ዝሓስቦ" ይብል።

ፖለቲካዊ ሹመት ክሳብ መዓስ?

ኣብታ ሃገር፡ ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ናይ ገበን ፍትሒ፣ ምኽሳስን ምፅራይን ዘይሻራዊ ኮይኑ ንክሰርሕ፡ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣወዳድባ ተኣልዩ፡ ከም ብሓድሽ 'ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ' ናብ ዝብል ተቐይሩ'ዩ።

ኣብ ካልኦት ዓድታት'ውን፡ ቤት-ፅሕፈት ፍትሕን ዓቃቢ ሕግን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ዝገልፁ ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ፡ እዞም ትካላት፡ ብዘይሻራውያን ኣመራርሓ ክምርሑ ይግባእ ዝብል ይካትዕሉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ መንግስትን ውድብን ዘሎ ምትሕውዋስን ፖለቲካዊ ሹመትን: ንስርዓት ፍትሒ እቲ ክልል ከምዝፀለዎ ዝገልፁ ወገናት ኣለው።

ዓቀብቲ ሕጊ ትግራይ'ውን፡ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል ብፖለቲካዊ ሹመኛን ላዕዋይ ኣመራርሓ ህወሓትን ዝምራሕ ብምዃኑ፡ ኣብ ስርሖም ከምዝፀለዎም እዮም ዝገልፁ።

ብስሩ'ውን እቲ ሕጊ፡ ኣባል ውድብ ምዃን ከልኪሉ እናሃለወ፡ ሓላፊኻ፡ ኣባል ውድብ እንተኾይኑ እቲ ታሕተዋይ መሓውር ዋላ ኣባል ከይኮነ እንተተረፈ፡ ዘምፅኦ ለውጢ የለን ዝብል ዓቃቢ ሕጊ ሙዑዝ፡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ እቲ ክልል፡ ኣባል ውድብ ክትኸውን ግድን ከምዝኸውን'ዩ ገይርዎ። ምኽንያቱ ንባዕሉ'ውን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ስለዝኾነ። እዚ ንክፍታሕ ድማ ተደጋጋሚ ሓቲትና ነይርና፡ ግና ክፈትሕዎ ኣይከኣሉን" ኢሉ።

እቲ ዘሎ ኣካይዳ፡ በቲ ተማሂርካዮን ተሪድእካዮን ዝመፃእካ፡ ንሕብረተሰብ ክተገልግል ኢልካ ቃል ብዝኣተኻሉ ዘይኮነስ፡ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ሓደ ወገን ኣገልጋሊ'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝፈጥር'ዩ፡ ኣብ መሬት ዘሎ ክውንነት ዝብል ዓቃቢ ሕጊ ግርማይ ብወገኑ፡ እዚ ኣካይዳ ኣብ መዝገብ ናይ መንግስታዊ ጉዳያት፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ጉዳያት ፍትሃ ብሄር ክኾን እንከሎ፡ ንዕኦም 'ፌቨር'(ጉንዖ) ሂብካ፡ ክኽሰሱ ንዘይግበኦም፡ 'ቤት-ፍርዲ ዝበለ ይበሎ' እናተብሃለ፡ ክኸሱ ከምዝግደዱ" ይሕብር።

ከም ሳልሳይ ኣካል መንግስቲ ኮይኑ'ዩ ዝጣየሽ ቤት-ፍርዲ ጥራሕ'ዩ። ሕገ-መንግስታዊ ናይ ዳንነት ነፃነት ዘለዎ ዝብል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ግና፡ "ፍትሒ ናይ ፈፃሚ ኣካል፡ ሓደ ኣካል መንግስቲ ስለዝኾነ፡ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ኣብ ዝደለዮ እዋን፡ ክሲ ናይ ምቁራፅ ሕጋዊ ስልጣን ከምዘለዎ፡ ገበን ተፈፂሙ እንተኾይኑ'ውን፡ ክሲ ይመስረተለይ ኢሉ ናብ ዝምልከቶ ናይ ፖሊሲ ኣካላት ከምዝመርሕን፡ ስልጣን ዓቃቢ ሕጊ ከኣ ምኽሳስ ጥራሕ ከምዝኾነ ይገልፅ።

ኣካላት ፍትሒ ካብ ፖለቲካውን መንግስታውን ኢድ ኣእታውነት ነፃ ክኾና ኣለወን ዝብል ትኽክል ከምዝኾነ ዝቕበል ኣይተ ኣማኑኤል፡ 'እቲ ፖለቲካዊ ሹመት፡ ነቲ ስርዓት የዛብዖ እዩ' ንዝብል ግና፡ ኣይቕበሎን።

"ኣብ ቢሮ ፍትሒ ዝመርሑን ዝሰርሑን ሰባት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ተሳትፎን ክገብሩ ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም'ዩ። ኣነ እውን ሕገ-መንግስታዊ መሰለይ'ዩ። ሹመት'ውን እኮ መንግስቲ'ዶ ኣይኮነን ዝሸመካ? ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተረከበ ውድብ'ዶ ኣይኮነን'ዩ ሓርዩ ናብ መንግስትነት ስልጣን ዘምፅአካ? ይትረፍ ንዓይ፡ ንናይ ቤት-ፍርዲ ፕረዝደንትን ምክትል ፕረዝደንት'ውን ናብ ሹመት ሓርዩ ዘምፅእ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተውሃቦ ፖለቲካዊ ውድብ'ዩ። ኣባልነትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን፡ ዜግነታዊ መሰል'ዩ፤ ኣብ ሰለስቲኡ ኣካል መንግስቲ ድማ፡ ፖለቲከኛ ሹመኛ ዘይኮነ ሰብ ኣይርከብን" ዝብል ምላሽ ይህብ።

ይኹን'ምበር፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ፡ ሹመት "ኣባል ፖለቲካ ዘይኮነ" ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌድዮን ጢሞትዮስ ከም ኣብነት ብምልዓል፡ ኣብ ክልላዊ መረፃ፡ "ንህወሓት ምረፁ" ብምባል ጎስጓስ የካይድ ዝነበረ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ብካልእ ወገን ድማ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ኣብ ክንዲ ንሕቶታት ዓቀብቲ ሕጊ ሳይንሳዊ መልሲ ምሃብ፡ ብድሕሪት ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘለዎ "ኩነታት መኸተ" ዝብሉ ቃላት ተጠቒሙ'ዩ፡ ነቲ ሕቶ ዓቃቢ ሕጊ መልሲ ዝህብ ዘሎ። ስለዚ፡ ናይቲ ፖለቲካዊ ዓንኬልን ስልጣንን ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ ሓይሊ ካብ ምስኻዕ ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን" ብምባል፡ ፖለቲካዊ ሹመት ንትካላዊ ናፅነት ዝፃባእ ምዃኑ የብርህ።

ዕጫ ስርዓተ ፍትሒ ትግራይ?

ኣብቲ ክልል ብግድፈት ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ተበዲልና ዝብሉ መረረታት ምስማዕ ሓድሽ ኣይኮነን፤ እቲ ጉዳይ ንባዕሉ'ቲ ገዛኢ ውድብ ህወሓት'ውን ዝኣመነሉ'ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ፡ ነቲ ልዕሊ 500 ዓቀብቲ ሕጊ ጥራሕ ዘለዎ ስርዓተ ፍትሒ እቲ ክልል፡ ንድሕሪት ከምዝጎቶ ነቲ ኩነታት ብዕምቆት ዝከታተሉ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ዓቃቢ ሕጊ *ዳንኤል፡ እዚ ብሓደ ተማሂሩ፡ ብሓደ ተመሪቑ፡ መዓረ ኳሊፍኬሽን ሃልይዎ፡ ክሳብ ሕዚ ብሓደ እናተቓየየረ እናሰርሐ ዝመፅአ ዓቃቢ ሕጊ፡ ነቲ ህዝቢ ከገልግል ዝብል መንፈስ'ውን እንተለዎ፡ ኣብ ሓደ መንግስቲ እናሃለኻ፡ ሰማዒ ብምስኣንን፡ ዘይመዓራረ ደሞዝን ጥቕማ ጥቕሚ ብምህላዉን፡ ናይ ስራሕ ሞራሉ ስለዝቐነሰ ከምቲ ዝግባእ ከገልግል'ዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘይብሉ ይዛረብ።

ሰፊሕ ቢሮክራሲ ኣሎ፤ ዓቃቢ ሕጊ ትግራይ ፍትሒ ክህብ እናተቓለሰ፡ ንባዕሉ ግና ኣብ መፃወድያ ፍርሒ ዝነብር'ዩ ዝብል *ዳንኤል፡ "ነቲ ህዝቢ ፍትሒ ክትህቦ እናፀዓርካ፡ ንሕና ግን ብቢሮክራሲ ንህሰ ኣለና" ይብል።

"መብዛሕትኡ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ፡ ፍትሒ ክህብ እናተቓለሰ፡ ንባዕሉ ግን ፍትሒ ዘይሓትት፣ ተሾቕሪሩ ወይ ፈሪሑ ዝነብር እዩ" ብምባል፡ ሓሳቡ ይዛዝም።

ምሁር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ፡ ሕቶ ዓቀብቲ ሕጊ ምዕፋን ኮነ ክተሾቕርሮም ምፍታን፡ ነዛ ፀገም ፍትሒ ዘለዋ ትግራይ፡ ካልእ ተወሳኺ ፀገም ምውሳኽ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ፀዊዑ ከዘራርቦምን ነቲ ጉዳይ ቀልጢፉ ክፈትሖን ይግባእ። ካብኡ ዝተረፈ እቲ ኩነታት ግዘ እንተበሊዑ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕፅረት ዓቃቢ ሕጊ እናገደደ ክኸይድ፣ ፍትሒ ክጓተት፣ ክዕመፅን ክበላሸውን ዝገብር እዩ፡ ክብል ርእይትኡ ይህብ።