ትካል ንግዲ ዓለም፡ ብኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ'ዶ ይምራሕ ይኸውን?

ሰለስተ ሕጹያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካል ንግዲ ዓለም ንምምራሕ ዝወዳደሩ ካብ ዘለዉ ሓሙሽተ ሰባት፡ እቶም ናይ መወዳእታ ክልተ ተወዳደርቲ ሎሚ ሓሙስ ክፍለጡ እዮም፡፡

ካብቶም ቀልቢ ዝሰሓቡ ተወዳደርቲ ድማ ሓንቲ ናይጄርያዊትን ሓንቲ ኬንያዊትን ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወኪለን ኣለዋ፡፡

ኣብቲ ሎሚ ዕላዊ ዝግበር ውጽኢት፡ እታ ናይጄርያንዊትን እታ ደቡብ ኮርያዊትን እተን ናይ መወዳእታ ተነሓናሕቲ ክኾና ከምዝኽእላ መራኸብቲ ሓፋሽ ይገልጻ፡፡

እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እቲ ትካል ሓድሽ ምዕራፍ ክኸውን እዩ። ዛጊት ትካል ንግዲ ዓለም፡ ብኣፍሪቃዊትን ጓል ኣንስተይትን ተመሪሑ ኣይፈልጥን።

ክልቲአን ኣፍሪቃውያን ተወዳደርቲ ኣብ መድረኽ ዓለም ብዘለወን ተሳትፎ ጽቡቕ ድጋፍ ዝረኸባ እየን፡፡

ሚኒስተር ገንዘብ ናይጄርያ ዝነበረት ንጎዚ ኦኮንጆ ልዌላ፡ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ምምሕዳር ብዳይሬክተርነት ሰሪሓ እያ፡፡

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝበረት ኬንያዊት ኣሚና መሓመድ ድማ ኣብ 2015 ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ጉባኤ ሚኒስተራት ትካል ንግዲ ዓለም መሪሓ ነይራ።

እዘን ክልተ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ሚኒስተር ንግዲ ደቡብ ኮርያ ዝኾነት ካልአይቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዩ-ምዩንግ ሂ፣ ኣማኻሪ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ማዝየድ ኣል ጡዋይጅሪን ብሪጣንያዊ ሚኒስተር ነበር ዶ/ር ሊያም ፎክስን ብርቱዕ ንሕንሕ ገጢሙወን ኣሎ፡፡

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ተስፋ፡ ነቲ ካብ 2 ክሳብ 3 ምኢታዊት ብጽሒት ንግዲ ዓለም ጥራሕ ዝሓዘ ንግዲ ኣፍሪቃ፡ ብአፍሪቃዊ መራሒ ክመሓየሽ ይኽእል'ዩ ዝብል እዩ፡፡ ተዓዋቲ እዚ ፈታኒ ውድድር ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ዕላዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር፡፡

እቲ ትካል ንግዲ ዓለም ንምምራሕ ዝግበር ዘሎ ንሕንሕ ብፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ክሽፈን ከምዝኽእል እውን ይግለጽ፡፡ ገለ ተንተንቲ ድማ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ሰብ መዚ ኣመሪካ ድጋፎም ዝህቡሉ ተናሓናሒ ክህሉ ከምዝኽእል ስግኣቶም ይገልጹ፡፡

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ትካል ዘለዎ ተቓውሞ ክገልጽ እኳ እንተጸንሐ፡ ምምሕዳሩ ድማ ናብቲ ሸምጋሊ ኣካል እቲ ትካል ዳያኑ ከይምደቡ ከልኪሉ እዩ፡፡

እቲ ዝምረጽ መራሒ፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ንዘሎ ንግዳዊ ዘይምቅዳውን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ነጻ ዕዳጋ ዘንብረኦ ዘለዋ ቀጻሊ ገደባት ምፍታሕ ዝዓበየ ስርሑ ክኸውን እዩ፡፡

ተዓዋቲ እዚ ውድድር፡ ነቲ ካብ ዝምስረት 25 ዓመት ዝገበረ ትካል ንግዲ ዓለም ንምምራሕ፡ ካብ ብራዚላዊ ዳይሬክተር ጀነራል ሮቤርቶ ኣዝቬዶ በትረ ስልጣን ክቕበል እዩ፡፡