ምርጫ ኣመሪካ 2020፡ ማይክ ፔንስን ካማላ ሃሪስን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮቪድ

ንመዝነት ምክትል ፕረዚደንት ትወዳደር ዘላ ሰኔተር ካማላ ሃሪስን ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሪፓብሊካን ማይክ ፔንስን ንመዝነት ምክትል ፕረዚደንት ትወዳደር ዘላ ኣባል ደሞክራት ሰኔተር ካማላ ሃሪስን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓያል ክትዕ ኣካዪዶም።

ሃሪስ፡ ኣብ እዋን ትራምፕ "ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ ውድቀት ምምሕዳር" ከም ዝተራእየ ክትከስስ እንከላ ፔንስ ብወገኑ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ ለበዳ ንምምካት ኣዳልዩዎ ዘሎ ውጥን ካብቲ ናይ ትራምፕ "ዝተሰረቐ" እዩ ክብል መጒቱ።

እቲ ምርጫ 27 መዓልታት ተሪፍዎ ኣሎ፤ ጆ ባይደን ከኣ ልዑል ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ።

እዚ ኣብ መንገ ሃሪስን ፔንስን ዝተኻየደ ክትዕ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ትራምፕን ጆ ባይደንን ዝተኻየደ ጸርፍን ዘለፋን ዝመልኦ ክትዕ ዝሓሸ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ጉዳይ'ቲ ቫይረስ ዝተኻየደ ክትዕ'ከ እንታይ ይመስል?

ኣብቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዩታህ ን90 ደቃይቕ ዝተኻየደ ክርክር፡ ካማላ ሃሪስ፡ ፕረዚደንት ትራምፕን ምክትሉ ፔንስን ኣብ ጉዳይ ሓደገኛነት እቲ ሕማም ኮነ ኢሎም ንኣሜሪካውያን ከም ዘጋገዩ ከሲሳ።

"ይፈልጡ ነይሮም፡ ግና ሸፊኖምዎ" ብምባል "ዳግም ናይ ምምራጾም መሰል ከሲሮም" ኢላ።

ማይክ ፔንስ ግና፡ ጎስጓስ ምርጫ ባይደንን ሃሪስን ካብ ስትራተጂ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ 'ዋይት ሃውስ'፡ ዝተቐድሐ እዩ ክብል ይኸስስ።

ቅድሚ'ቲ ምርጫ ዝወሃብ ክታበት ኮቪድ-19 ትወስድ እንተኾይና፡ በታ ኣላዛቢት ሕቶ ዝቐረበላ ጓል 55 ዓመት ተወካሊት ካሊፎርንያ ካማላ ሃሪስ፡ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተደፋፍአ ክታበት ብዘይ ድጋፍ ናይ ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዘይትወስድ ተዛሪባ።

ንሓይሊ ዕማም ኮሮናቫይረስ ዋይት ሃውስ ዝመርሕ ፔንስ፡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ንዝመጽእ ክታበት ምንእኣስኪ፡ ሕልና ምጉዳል እዩ" ኢሉ።

እቶም ተኸራከርቲ ኣስታት 3.6 ሜትሮ ተረሓሒቖም ብከውሊ መስትያት ተፈላልዮም ኢዮም ክካትዑ ኣምስዮም።

በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሰኑይ ኣማስይኡ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ተመሊሱ ኣሎ። ዝጸንሖ ተቐባልነትን ደገፍን የንቆልቁል ምህላዉ ገምጋማት ይሕብሩ።

ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ በቲ ቫይረስ ምልካፉ፡ ነቲ ኣብ ፈተነ ዝርከብን ንኹሎም ኣሜሪካውያን ብነጻ ክወሃብ ምዃኑን ዝገለጾ መድሃኒት ዘጉልሕ "በረኸት ካብ ኣምላኽ" እዩ ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዋይት ሃውስ ከምኡ'ውን ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ፔንታጎን ተላቢዑ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካልእ ዝተላዕለ ዛዕባታት

ኣብ ጉዳይ ዓሌታውነትን ፍትሕን፡ ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ከም ዝጓሃየ ዝገለጸ ፔንስ፡ "እቲ ዝሰዓበ ናዕብን ዝምታን ግና ቅቡል ኣይኮነን" ኢሉ።

ብተወሳኺ ፔንስ፡ ጆ - ባይደንን ሃሪስን፡ ኣሜሪካ ብፍላጥ ዓሌታዊት ምዃናን፡ ፖሊስ እውን ኣብ ልዕሊ ውሑዳን/ማይኖሪቲ ፡ ዘይረአ ኣድልዎ ከምዘለዎም ጌርካ ምጉስጓስ "ዓቢ ጸርፊ እዩ" ኢልዎ።

ከም ጸላም ጓል ኣንስተይቲ፡ ናብ መዝነት ምክትል ፕረዚደንት ብምሕጻያ ታሪኽ ዝሰርሐት ካማላ ሃሪስ ብወገና "ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚ 70 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ንክትዕ ቀሪቡ፡ እንተኾነ ግና ሕሉፍ ኣረኣእያ ንዘለዎም ጸዓዱ ክኹንን ፍቃደኛ ኣይነበረን" ኢላ።

ፔንስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሃሪስ፡ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ኣኽባር ሕጊ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን፡ ልዕሊ እቶም ጸዓዱን ላቲኖን ብናኣሽቱ ናይ ሓሺሽ/ ጥሕሰታት ናብ ሕጊ ይቐርቡ ነይሮም ኢሉ።