ኣብ ትግራይ ራያ ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ኣሎ

ኣብ ልዕሊ ገረብ ዝዓለበ ዕስለ ኣንበታ

ምንጪ ስእሊ, MOLA AMARE

ኣብ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ:፣ ራያ ኣላማጣ፣ ሕንጣሎን ወጀራትን ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ፡ ናብ ብርክት ዝበለ ቦታት ይዝርጋሕ ምህላዉ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ዕስለ ኣብ ዘራእቲ ሳዕቤን የውርድ ከምዘሎ ድማ ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን፡ ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባልዓትን እፅዋት ኳረንታይንን ኣይተ መብራህቶም ገብረኪዳን ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቲ ካብ ኣንፈት ዓፋር ዝኣቱ ዘሎ ዕስለ: ኣብ ሓፂር ግዜ ነዊሕ ይጓዓዝ ከምዘሎን በዝሒ ከምዘለዎን ይግለፅ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሕዛእትን ዘራእትን መሬት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ኣላማጣ፣ ሕንጣሎን ወጀራትን ዝዓለበ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል፡ ህዝብን መንግስትን ተዋዲዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣይተ መብራህቶም ተዛሪቡ።

ኮይኑ ግና፡ እቲ ዕስለ ካብ ቁፅፅር ይወፅእ ምህላዉን ልዕሊ ዓቕሚ ይኸውን ስለዘሎን ኩሉ ክተሓባበር ፀዊዑ።

ሓረስቶት ናብ ግራቶም ከይዓልብ ይከላኸሉ እኳ እንተሃለዉ: ሰፊሕ ሓገዝ ኣብ ከተማ ዝርከቡ መናእሰይ የድሊ።

ብፍላይ 'ርችት' ነቲ ዕስለ ኣብ ምብታን ዝሐሸ ሜላ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፡ ሰብ ሃብቲን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሓገዞም ከሕይሉ ኣይተ መብራህቶም ተማሕፂኑ።

እቲ ዕስለ ናብ ካልእ ከባቢታት ትግራይ ከይዘምት ኣብ ምክልኻል: ሕዚ እውን ህዝብን ኩሎም ኣካላት መንግስቲን ተዋዲዶም ክሰርሑ እቲ ሓላፊ ኣተሓሳሲቡ።