ብራዚል፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሓሙሽተ ሚልዮን በጺሑ

ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ

ኣብ ብራዚል በዝሒ ዝተረጋገጸ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ካብ ሓሙሽተ ሚልዮን ክዛይድ ከሎ፡ ቊጽሪ ዝሞቱ ሰባት ድማ ናብ 150 ሽሕ ተጸጊዑ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 31,553 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ቁጽሪ ዛጊድ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 5,000,694 ክብ ክብል ገይሩዎ ኣሎ።

እታ ሃገር ካብ ሃገራት ኣመሪካን ህንድን ቀጺላ በቲ ለበዳ ብዝለዓለ ዝተጠቐዐት ኮይና ትርከብ።

ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ፡ ነቲ ለበዳ ብምንእኣስን ንምኽሪ ሰብሞያ ዕሽሽ ብምባልን ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ።

ንሱ ግን ነቲ ዝቐርበሉ ወቐሳታት ንጎኒ ብምግዳፍን ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝግበሩ ዕጽዋታትን ብምቅዋም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ምትኳሩ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሉስ 734 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኮይኖም፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር በቲ ለበዳ ዝሞቱ ሰባት 148,228 በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ሓቢሩ።

ብራዚል ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝለዓለ በዝሒ ሞት ዝተመዝገበላ ሃገር እያ።

ብፍላይ ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ዝሞቱዋ ዞባ ሳኦ ፖሎ ብዝሓየለ ዝተጠቕዐት ኮይና፡ ኣስታት 19 ሽሕ ሰባት ዝሞትዋ ሪዮ ዲ ጀኔሮ ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ኮይኑ ግና እቲ ሰሙናዊ ዝምዝገብ ዘሎ ኣስታት 5000 ሞት፡ ካብቲ ቅድሚ ሰሙናት ዝነበረ ዝተሓተ እዩ።

ዕዳጋታት፣ እንዳመግብን ኣብያተ ትምህርትን ይኸፈታ ምህላወንን ምንቅስቓስ ህዝቢ ድማ ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎን ተፈሊጡ።

ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ሸለልትነት ኣርእዩ ተባሂሉ ዝውቀስ መንግስቲ ቦልሶናሮ ድማ ኣስታት 60 ሚልዮን ንዝኾኑ ስሩዕ ስራሕ ዘይብሎም ዜጋታት እታ ሃገር ሓገዝ ይገብር ስለዘሎ ተቐባልነት ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ።

ኮሮና