"ንሕና እውን ንወስዶ ስጉምቲ ክህልው እዩ"ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ

ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ
መግለጺ ስእሊ,

ምክትል ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ

መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ነቲ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝወሰኖ ግብረመልሲ ክህበሉ ምዃኑ ምክትል ርእሰ-ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ኣጠንቂቑ።

እቲ ውሳነ፡ "ዘይሕጋውን ሓላፍነት ዝጎደሎ ስጉምቲ ስለዝኾነ ብኣና ወገን ተቐባልነት የብሉን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ትግራይ ካብ ፌደረሽን ከም እትወጽእ ዝደፋፍእ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ቅልውላው ናብ መወዳእታ ጫፍ ዝወስድ'ዩ" ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ ብሰሉስ 6 መስከረም ኣብ ዘካየዶ "ስሩዕ" ኣኼባኡ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ምስቲ 'ዘይሕጋዊ' ዝበሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝኾነ ርክብ ከይህልዎ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።

እቲ ስጉምቲ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ፡ "ዘይሕጋዊ" ዝበሎ ክልላዊ ምርጫ ትግራይ ዝነጽግ ውሳነ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣፈጉባኤ ናይቲ ባይቶ ኣነጺሩ'ሎ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ ትግራይ፡ ህወሓት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ሓድሽ ክልላዊ መንግስቲ ከምዘቖመ ይዝከር።

መንግስቲ ፌደራል ካብ ክልላት ግብሪ ከምዝእክብ ዝገለጸ፡ ዶ/ር ኣብርሃም፡ "ካብ ትግራይ እውን ወሲዱ መሊሰ ኣይህበኩምን እየ እንድሕር ዝብል ኮይኑ: ንሕና እውን ንወስዶ ስጉምቲ ክህልው እዩ" ኢሉ።

'ዝኣከብናዮ ኣታዊ ንፌደራላዊ መንግስቲ ኣይንህብን'

"ዓሚ ፈደራል መንግስቲ ካብ ትግራይ ልዕሊ 6 ቢልዮን ብር ኣኪቡ እዩ። ኣብዚ ዓመት: ፈደራል መንግስቲ ካብ ትግራይ: 8 ቢልዮን ብር ንምእካብ ተሊሙ ኣሎ፡ እዚ ኣሕሊፍና ኣይንህብን" ይብል እቲ ኣብ ሓደ እዋን፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶ/ር ኣብራሃም።

ይኹን እምበር፡ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ "ንመሰረታዊ ናይ ልምዓት ኣገልግሎታት ህዝቢ ትግራይ ማእከል ብምግባር፡ ምስ ናይ ከተማን ቀበሌን ምምሕዳራት ዝርከብዎም ሕጋውያን ትካላት ጥራይ ናይ ስራሕ ርክብ ክገብር" ምዃኑ ወሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ይጠቅስ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ብኸመይ ምስቶም "ሕጋውያን" ዝበሎም ምምሕዳራት ከተማታት፡ ቀበሌታትን ካልኦት ትካላትን ከምዝሰርሕ ግን ዛጊት ኣይተነጸረን ዘሎ።

"ድጋፍ ክወሃብ ዝኽእል ንሕጋዊ ኣካላት እዩ። ናይ'ቲ ክልል ባይቶን ናይ'ቲ ክልል ፈጻሚ ኣካልን ድማ ብዘይሕጋዊ መረጻ ዝቖሙ እዮም። ነዚኦም፡ መንግስቲ ፌደራል ናይ በጀት ድጋፍ ክገብር ኣይኽእልን" ክብል ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣቶ ኣደም ፋራህ፡ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተኾነ ግን እቲ ውሳነ፡ "መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ" ብምባል መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝቃወሞ ዶ/ር ኣብራሃም ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሕቲ ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ህወሓት፡ እቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ወከልቶም ካብ ባይቶታት ፌደረሽንን ትካላት ፌደራል መንግስቲን ስሒቦም ኣለዉ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተናወሐ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፡ ዕድመ ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክሳብ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር።

ህወሓት ግን ሽዑ'ውን ነቲ ውሳነ "ዘይሕገመንስታዊ" ክብል ብምንጻግ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ ግዜ በይናዊ ምርጫ ኣካዪዱ።

ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" ኣብ ዝበሃልሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።