ኤርትራ ንስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ ተሓቲታ

ስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, ©EU/Belga/SCANPIX/KALLE AHLS

መግለጺ ስእሊ,

ስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ

ሎሚ ሓሙስ፡ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኒካራግዋን ስዑዲ ዓረብን ብዘሎ ጃምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰለስተ እማመታት ኣሕሊፉ።

  • ኤርትራ፡ ንስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክትፈትሖ
  • ፕረዚደንት ኒካራግዋን ምክትሉን ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ እገዳ ዝርዝር ክኣትው
  • ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እትገብሮ ዘላ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ደው ከተብል ዝብል እዩ።

ባይቶ ኤውሮጳ፡ ኩሎም እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ናይ ሕልና እሱራትን ክፍትሑን ብፍላይ ድማ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ዜጋ ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ሓቢሮም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ክፍትሑ ጠለብ ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡን፡ ከምኡ'ውን ንወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ሽወደንን ክርእይዎ ከፍቅድን፡ ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምኹናን፡ እቲ መንግስቲ፡ ንተቓወምቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ሰባትን ምእሳር ከቋርጾ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ባይቶ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም መሻርኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘጣዕስ ኩነታት ንምፍታሕን፡ ዓለማዊ ክብርታት ደሞክራስን መሰላት ደቂ-ሰባትን ንክኽበር ክስርሕ ተማሕጺኑ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

እቲ ባይቶ ንሕማቕ ኣተሓሕዛ እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣትሪሩ ይኹንን።

ብመሰረት ጸብጻብ ሂዩማን ራይት ዎች ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ፡ ካብ ሰሜን የመን ብሓይልታት ሒቱ ብሓይሊ ዝተሰጉ ኣስታት 30ሽሕ ዝኾኑ ቖልዓ ሰበይትን ነብሰ ጾራትን ዝርከቡዎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ብጃምላ ተኣሲሮም ኣለው።

ኣባላት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተኣሲሮም ዘለው ቖልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም እሱራት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ይጽውዕ።

ንኹሎም እቶም ካብ ቦታ ውግእ ብሑቲ ዝተሰጎ ስደተኛታት ኣህጉራዊ መለክዒ ናብ ዘለዎ ውሑስ መቐበሊ ማእከል ክወስዶም ኣተሓሳሲቡ። ኣብ መወዳእታ ስዑዲ ዓረብ፡ ንኹሉ ኣብ ቤት ማእሰርትታታ ዘጋጥም ዘሎ ዘይንቡር ኣተሓሕዛ ክትእርሞን ንኹሎም ስነ-እአሙራውን ኣካላውን ክንክን ክግበረሎም ይጽውዕ።

ሕጊ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ "ወጻእተኛታት ልኡኻት"

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሃገራዊ ጉባኤ ኒካራጕዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ "ወጻእተኛታት ልኡኻት" ዝጸንዐ ዘይቅዋማዊ ሕግን መምርሕን፡ ከምኡ እውን ነቲ ፍሉይ ናይ ሳይበርን ናይ ጽልኢ ገበንን ሕጊ ክነጽጎ መጽዋዕታ ኣቕሪቡ።

እቲ ጽሑፍ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ሕግታት እንተጸዲቑ፡ መንግስቲ ዳንኤል ኦርቴጋ፡ ንጭቆናን ዓፈናን ተቃወምቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቶም ናይ ወጻኢ ደገፍ ዝረኽቡ ወልቀ ሰባትን ትካላትን ክጥቀመሉ'ዩ። እዚ ኸኣ ንዘይተኣደነ ቁጽሪ ህዝቢ ግዳይ ናይዚ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ክገብሮን፡ ራዕድን ጭቆናን ኣስዒቡ ናብ ዘይተደልየ ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት ከምርሕ እዩ ይብል።

እቲ ፓርላማ፡ ኣብዚ ብቐጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ዓመጽን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተመርኲሱ፡ እዚ ጉባኤ ብቕልጡፍ፡ ሓደስቲ ውልቀ ሰባትን ክውንነታት ማለት ዳንኤል ኦርቴጋን ምኽትል ፕረዚደንት ሮዛርዮ ሙሪሎ ዝርከብዎም ኣብቲ ናይ እገዳ ዝርዝሩ ወሲኹ። እዚ ከኣ ንኒካራጕዋ ዝኾነ ጎድናዊ ሳዕቤን ከም ዘይብሉ ኣረጋጊጹ።

ብተወሳኺ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ናብ ኒካራጕዋ ብምኻድ ንኩነታት ናይታ ሃገር ክከታተሉ ነቶም ሰበስልጣን ብዝከኣሎም ክትሓባበርዎም ጻውዒት ኣቕሪቡ።