ጸረ-ኣንበጣ መድሃኒት እትነጽግ ነፋሪት ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ወዲቓ

ዝወደቐት ንእሽቶ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Jarso Wereda communucation

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ንዝተኸሰተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል መድሃኒት (ኬሚካል) ኣብ ምንጻግ ዝነበረት ንእሽቶ ነፋሪት ሎሚ ከምዝወደቐት ተገሊጹ፡፡

እታ ነፋሪት ሎሚ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ፡ መድሃኒት ንምንጻግ እናዞረት እንከላ ኣብ ቀበሌ ጊዲያ በሃ ከምዝወደቐት ኣመሓዳሪ ወረዳ ጃርሶ ኣቶ ዓብዱልቃድር ደዚ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ዕስለ ኣንበጣ ኣብታ ቀበሌ ካብ ዝኣቱ ራብዓይ መዓልቱ ከምዘቑጸረን ሓያል ዕንወት የውርድ ከምዝሎን ዝገለጸ እቲ ኣመሓዳሪ፡ እታ ነፋሪት ጸረ ኣንጣ ኬሚካል ንምንጻግ ምስመጸት እቲ ሓደጋ ከምዘጓነፈ ገሊጹ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ወረባቦ ዘጋጠመ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል መድሃኒት ትነጽግ ዝነበረት ሂልኮፕተር ፍራንጉል ኣብ ዝበሃል ከባቢ ወዲቓ ምንባራ ይፍለጥ፡፡

ኣብቲ እዋን ኣብ ኣብራሪ እታ ሄልኮፕተር ካብ ዝበጸሖ መጠናዊ ጉድኣት ወጻኢ ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ከምዘይነበረ ተገሊጹ እዩ፡፡

ኣብታ ሎሚ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ዝወደቐት ነፋሪት ኣብራሪ ጥራሕ ከምዝነበረን፡ ጉድኣት ከምዘይበጽሖን ኣብታ ነፋሪት እውን ካብ ጎማ ወጻኢ ብዙሕ ከቢድ ሓደጋ ከምዘየጓነፈ ኣቶ ዓብዱልቃድር ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ምንጪ ስእሊ, MOLA AMARE