ኮቪድ-19፡ ሆስፒታላት ብራዚል ንሕሙማት ዝወሃብ 'ኦክስጅን ወዲአን'

ሆስፒታላት ብራዚል ንሕሙማት ዝወሃብ 'ኦክስጅን ወዲአን'

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሆስፒታላት ብራዚላዊት ከተማ ማናኡስ ከቢድ ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙወን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከባን ሰራሕተኛታተን ብዓቕለ ጽበት ከም ዝተወጠሩን ተገሊጹን።

እዛ ኣብ ግዝኣት ኣማዞና እትርከብ ከተማ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም መልከፍትን ሞትን ሓይሉዋ ይርከብ።

ክኢላታት ጥዕና ብምኽንያት ሕጽረት ቀረባትን ሓገዝን "ብዙሓት ሰባት" ክሞቱ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ።

ብራዚል ንኣመሪካ ስዒባ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘመዝገበት ሃገር ኮይና፡ ልዕሊ 205 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለው።

ግዝኣት ኣማዞና ኣብ ቐዳማይ ለብዒ እቲ ቫይረስ ከቢድ ክሳራ ዘጋጠማ ኮይና፡ በቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓድሽ መልከፍቲ'ውን ከቢድ መጥቃዕቲ ይወርዳ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ መዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእውጁ እንከለው፡ መቐመጢ ኣስክሬናት ዝኾኑ መዝሓሊ ኮንተይነራት ብብዝሒ ናብ ሆስፒታላት ክመጽኡ ተገይሩ'ዩ።

ክኢላ ጥዕና ኢንስቲትዩት ሳይንሳዊ ምርምር ፊኦክሩስ-ኣማዞና ጀሴም ኦሬላና ንኤኤፍፒ ከም ዝበለቶ፡ ገለ ሆስፒታላት ማናኡስ "ኦክስጅን ወዲአን'የን" ካልኦት ማእከላት'ውን "መዕበሲ ክፍሊ" ሕሙማት'የን ዝኾና ዘለዋ ኢላ።

እዛ ተመራማሪት ንማዕኸን ዜና ብራዚል ኣብ ዝሃቦ ቃል'ውን ካብ ገለ ሆስፒታላት ኣዝዩ ዘሰክፍ ጸብጻባት ከም ዝበጽሓ ተዛሪባ።

ኣብዚ ሕጂ'ውን በቲ ዘጋጠመ ሕጽረት ዓቕሎም ዝጸበቦም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ነቶም ተሓከምቲ ብህይወት ንምጽናዕ ብኢድ ዝሰርሕ መርወሓት (ቬንትሌሽን) ይጥቀሙ ኣለው።

ሓንቲ ሰራሕተኛ ጥዕና ብምስሊ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሓቶ መልእኽቲ "ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘለና፤ ሎሚ መዓልቲ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክፍሊ ኦክስጅን ተወዲኡ" ኢላ።

"ኦክስጅን ብዘይምህላው ብዙሓት ሰባት ይሞቱ ኣለው። ኦክስጅን ዘለዎ እንተሃልዩ በጃኹም ናብቲ ክሊኒክ ኣምጽኡልና። ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት ኣለው" ትብል።

ኣመሓዳሪ ኣማዞና ዊልሰን ሊማ እታ ግዝኣት "ኣብ ጽንኩር ደረጃ ለበዳ" ከም እትርከብ ብምግላጽ፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሰዓት እቶ እቶ ከም ዝእወጅ ተዛሪቡ።

እታ ግዝኣት፡ ክተፍርዮ ካብ እትኽእል ሰለስተ ዕጽፊ መጠን ኦክስጅን ከም ዘድልያ ሰብ መዚ ጥዕና እታ ግዝኣት ይገልጹ።

ምኽትል ፕረዚደንት ብራዚል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ናይ ኦክስጅን ሲሊንደርን ቃሬዛን ዝርከቦም ቐረባት ሆስፒታል እናጉዓዓዘ ዘርኢ ምስሊ ብምግባር ናብታ ከተማ ቀረባት ክባጻሕ ይግበር ከም ዘሎ ሐዓቢሩ።

ሰብ መዚ ጥዕና እታ ግዝኣት ግን፡ ሕክምና ጽኑዕ ክፍሊ ዘድልዮም ገለ ሕሙማት ናብ ካልኦት ግዝአታት ክዛወሩ ከም ዝተገብረ ሓቢሮም።

ካብ ዞባታት ኣማዞና ናብ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ብዙሓት ተጉዓዝቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ይርከብ ብምህላዩ ቑጽሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ንከይውስኽ ይስጋእ ኣሎ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ብሪጣንያ ዜጋታታ ናብ ደቡብ ኣመሪካ፣ ፖርቹጋልን ኬፕ ቨርድን ከይጉዓዙ ኸልኪላ።