ቅልውላው ትግራይ፡ በቲ ጎንጺ ዝተሃስዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገጠሞም ይዛረቡ

ካብ ትግራያ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝጓዓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ታሕሳስ 2020

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ,

ካብ ትግራይ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝጓዓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣብ መንጎ እቲ ንክልል ትግራይ ከመሓድር ዝጸንሐ ህወሓትን ፌደላዊ መንግስትን ብ4 ሕዳር ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ኣብቲ ክልል ሲቪላውያን ሰባት ግዳይ ይኾኑ ብምህላዎም ከም ዘሻቐሎም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሕብሩ ጸኒሖም ኣለው።

ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ "ንግህሰት ሕጋጋት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ጥርዓናት በጺሑና ኣሎ። ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ደብዳብ ምክያድ፡ ኮነ ኢልካ ንሲቪላውያን ዕላማ ምግባር፡ ዘይሕጋዊ መቕተልትን መጠነ ሰፊሕ ዝምታን ካብቶም ዝጥቀሱ እዮም" ኢላ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ዛጊት ልዕሊ 56 ሽሕ ህዝቢ ካብ ትግራይ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ሱዳን ክዕቆብ እንከሎ ልዕሊ ኣርባዕተ ዕጽፉ ዝግመት ቁጽሪ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ኲናት ዝተጀመረሉ ክልል ትግራይ ዘዕቆቡ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከቢድ ሰብኣውን ጸጥታውን ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያን ኣዲስ ኣበባን ብዙሓት ከም ዝሃደሙ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ይገልጹ።

እቲ ኲናት ምስ ተወልዐ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ነቶም መዓስከር ስደተኛታት ክሓድግዎም ተገዲዶም እዮም።

ኣብ ሕዳር 2020 ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ጁልየት ስቲቨንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ጸጥታ ናብቲ መዓስከራት ምብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ነጊራ ነይራ።

"ኣብ ባይታ እንታይ ከምዘሎ ብምሉኡ ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ ዘሎ። ብዘይካ እዚ ናይ ሕጂ ምሉእ ምቁራጽ መራኸቢታት ብቐደሙ'ውን እቲ ዝነበረ ርክብ ድሩት እዩ። ገለ ስደተኛታት ካብ ሸመልባ ድሮ ንምውሕስነቶም ናብ መዓስከር ሕጻጽ ይኸዱ ከምዘለው ምልክታት ኣለው'' ኢላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ''ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስርሒት'' ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን ካብኡ ወጻእን ንዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጥታ ዘስግእ ከም ዘይነበረ እዩ ዝገልጽ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብዙሓት ''ጌጋ ሓበሬታ'' ዘለዎም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሪሽን ተበጊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ብምግላጽ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቶም መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምህላዎም፡ ነቶም ስደተኛታት ብውሑስ መገዲ ነናብ መዓስከሮም ክመልሶም ምዃኑ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ክነብር ዝጸንሐ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ካብቲ መዓስከር ብኽልተ ቀንዲ ምኽንያታት ከም ዝሃደመ ይዛረብ።

ንሱ ከም ዝሕብሮ እቲ ቀዳማይ ምኽንያት፡ "እቲ ኣብ መዓስከራት ዝርከብ ስደተኛ ቀረብ ማይ ይኹን መግቢ፡ ማሕበራውን ሕክምናውን ኣገልግሎትን ካብ ዝስእን ሓያሎ ሳምንታት ኮይኑዎ ኣሎ። እቶም ወሃብቲ ረድኤት ትካላት ዩኤንኤችሲኣር ካብቲ መዓስከራት ስለዝወጽኡ እቲ ስደተኛ ንበይኑ እዩ ተሪፉ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቦ ዋላ ሓደ ኣካል የለን" ይብል።

እቲ ንድሕነቱ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ስደተኛ ነቲ ካልኣይ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ምትእትታው ገይሩ እዩ ስለዝተባህለን ኣብ [መዓስከራት] ሕጻጽን ሽመልባን ብዙሕ ነገር ስለዝተገብረ፡ መዓስከራት ዓዲ ሓሪሽን ማይ ዓይንን፡ ጽባሕ ንግሆ እውን ናባና እዮም ብዝብልት ርዒዱ" ብምባል እቲ ብገንዘብ ኮነ ብጉልበት ዓቕሚ ዘለዎ ካብቲ መዓስከር ወጺኡ ናብ ክልል ኣምሓራ ከም ዝሃደመ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Facebook

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ-ሓሪሽ ዝነበረ ካልእ ኤርትራዊ ብወገኑ፡ እቲ ዝነበሮም መግቢ ብምውድኡ ካብቲ ንእሽቶ ዘለዎ እናተማቐሉ ከም ዝጸንሑ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ጥምየትን ጸጥታዊ ስግኣትን ምስ ካልኦት ብጾቱ ካብቲ መዓስከር ክሃድም ከምዝወሰነ ይሕብር።

''ካብ ዓዲ ሓዲ ሓሪሽ፡ ላዕላይ ጸብሪ-ንዓደርቃይ ኣቲና። ኣብ ዓደርቃይ ሓንቲ ለይቲ ሓዲርና ድማ 95 ብር ከፊልና ንጎደር ኣቲና። ንጎንደር ክንኣቱ እንከለና ኣብ ኬላ (ናይ ተፍትሽ ቦታ) ብፖሊስ ተታሒዝና። እንተኾነ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ስለዝነበረና ኣሕሊፎምና" ይብል።

ሓደ ለይቲ ኣብ ጎንደር ብምሕዳር፡ ነፍሲ ወከፎም 900 ብር (ከባቢ 22 ዶላር) ከፊሎም ድሕሪ ናይ 13 ሰዓት ጉዕዞ ንኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ይገልጽ።

"ምጭዋይ" ስደተኛታት ብሰራዊት ኤርትራ

ቢቢሲ፡ ነቲ ኣብ መዓስከር ሽመልባ ኮነ ሕጻጽ ብወተሃደራት ኤርትራ 'ብምፍርራሕን ኣስገዳድን ናብ ኤርትራ ምምላስ ከም እተፈጸመ ንዝግለጽ' ሓበሬታ ንከጻሪ እኳ እንተፈተነ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ገና ብቴለፎን'ውን ንምዝራብ ስግኣት ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ።

ሓደ፡ ንድሕነቱ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ተቐማጢ መዓስከር ሽመልባ ግና፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብ10 ሕዳር ናብቲ መዓስከር ከም ዝመጽኡ ይዛረብ።

"ኣብቲ መዓስከር፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ምዃኖም ዝነገሩና፡ ዩኒፎርም ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኸድኑ ሰባት፡ ኣኪቦምና 'ንሕና ካብ ምልሻ ወያነ ክነድሕነኩምን ክንሕልወኩምን ኢልና ኢና መጺእና። ዩኤንኤችሲኣር ተደምሲሳ እያ። ድሕሪ ሕጂ ኣይክትመጸኩምን እያ። ኣብዚ መዓስከር ብጥሜት ከይትሞቱ ንዓድኹም ተመለሱ። መንግስቲ ምሕረት ጌሩልኩም እዩ። ንሕና ገዲፍናኩም እንተኼድና ኣብዚ ከባቢ ዘለው ደቂ ዓዲ ሓደጋ ክወድቅኸዑም እዮም' ኢሎምና" ይብል።

ብድሕሪኡ ካብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣመሓደርቲ መጺኦም፡ "ኣርሲሲ" ንዝበሃሉ ወከልቲ ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር ብምእካብ፡ ነቶም ስደተኛተት ናብ ዓዶም ንክምለሱ ክጉስጉሱ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕድል ከም ዝሃብዎም፤ እቶም ወከልቲ ድማ ነቶም ስደተኛታት ኣኪቦም ነቲ ሓበሬታ ከምዘመሓላለፉዎ፤ እንተኾነ እቲ ስደተኛ ልዕሊ 12 ዝኸውን ነጥብታት ብምዝርዛር ክምለስ ድላይ ከም ዘይብሉ ንወከልቱ ከምዝገለጸሎም እቲ ምንጪ ይዛረብ።

"ዝተቐየረ ፖሊሲ ኮነ ሓድሽ ነገር ስለ ዘየለ ኣይንምለስን ኢና። ካልኣይ ከኣ፡ መንግስቲ ምሕረት ጌረልኩም እየ ዝብል እንተኾይኑ ንዓለም ኣፍሊጡ፡ ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ስደትና ብዙሕ ዝሰራሕናዮ ስራሓት ኣሎ። ኣብ ባንክ ገንዘብ ኣሎና። ገንዘብና ገዲፍና ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። ዝብልን ካልእ ልዕሊ 12 ነጥብታት ብምዝርዛር ኣይንምለስን ኢና ኢሎም ነቶም ተወከልቲ ምላሽ ሂቡ" ይብል።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግን እቶም ምላሽ ስደተኛታት ክሰምዑ ናብቲ መዓስከር ዝመጽኡ፡ እቶም ኣመሓደርቲ ዘይኮኑስ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ከምዝነበሩ እቲ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንምላሽ እቶም ስደተኛታት ድሕሪ ምስማዕ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ሰባት ክገፍፉ ከም ዝጀመሩን ካብቲ መዓስከር ከም ዝወሰድዎምን ይዛረብ።

እቶም ካብቲ መዓስከር ብኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ዝተወሰዱ፡ መብዛሕትኦም ኣብቲ መዓስከራት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሑን፡ ተወከልቲ እቶም ስደተኛታት ምዃኖምን ዝገልጽ እቲ ምንጪ: ኣደ ቘልዓ ሓራስ ከም እትርከቦም እውን ሓቢሩ።

"ንሓንቲ ኣብቲ መዓስከር ተወሊዳ ዝዓበየት፡ብዛዕባ ኤርትራ ምንም ፍልጠት ዘይብላ፡ ዓሚ ንዝተመርዓወት ሓራስ ምስ ሰብኣያ ወሲዶምዋ" ድሕሪ ምባል እቲ ኩነታት ስለዘስገኦ ከኣ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ካብቲ መዓስከር ከም ዝሃደመ ይዛረብ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ናብተን ክልተ ማለት ናብ ማይ-ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ክበጽሕ ዝኸኣለ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እተን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ህጻጽን ሽመልባን ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ጌና ተሻቒሉ ምህላው ንበቢሲ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ናይቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ: ክሪስ መልዘር "ናብአን ክንበጽሕ ፍቓድ ኣይተዋህበናን። ንኽልተ ኣዋርሕ ቀረባት ረድኤት ከም ዘይረኸቡ ኢና እንፈልጥ" ኢሉ።

ብዛዕባ እቲ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቶም ስደተኛታት "ጨውዮም ወሲዶም" ዝብል ክሲ ክምልስ ከሎ ክሪስ "ብኣማኢት ንዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣዘራሪብና። እቶም ስደተኛታት ኣብተን ኣብ ሰሜን ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ምጭዋይ ምንባሩ ከም ዝሰምዑ ነጊሮምና፤ ክነረጋግጽ ግና ኣይከኣልናን። ሓቂ እንተኾይኑ ግና ከቢድ ግህሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ እዩ" ኢሉ።

ባዕሉ ኣብ ክልተ መዓስከራት ከምዝበጽሐ ዝጠቅስ ክሪስ፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሕዎም ስደተኛታት ብጥምየት ተጠቒዖምን ዝርካቡ ንብረቶም ብዕጡቓት ተዘሚቱን ከምዝጸንሕዎ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ረድኤት ንጥፈታቱ ንምስላጥ ናብተን መዓስከራት ክበጽሕ ፍቓድ ክወሃቦ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ደጊሙ ሓቲቱ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ተራ ነይርዎ ንዝብል ክሲ ይነጽግዎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ እቲ ክሲ "ፕሮፖጋንዳ" ምዃኑ ብምግላጽ ኤርትራ ኢዳ ከም ዘየእተወት ሓቢሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ዝስተ ማይ ንምርካብ ናብቲ ከባቢ ዘሎ ሩባ ክወርዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ

ኣስታት 100 ሽሕ ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብምኽንያት ፖለቲካን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቦም ምኽንያታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቚቦም ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ፊሊፐ ግራንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መቕተልቲ፡ ምጭዋይን ናብ ኤርትራ ምምላስን ይፍጸም ከም ዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት "ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎን" መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነቶም ከውሕስ ሓላፍነት ከምዘለዎን ኣዘኻኺሩ ነይሩ ነይሩ።

ሚስተር ፊሊፐ ወሲኹ እቲ ተግባር ምፍጻሙ እንተተረጋጊጹ፡ ዓቢይ ግህሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕቡራት ሓገራት ናብተን መዓስከራት ክበጽሕ መገዲ ክኽፈተሉ ሓቲቱ።

ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝርከቡ ስደተኛታት "ቅትለትን ጭውያን" ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ "ርጡብ ጸብጻባት" ከምዝበጽሖ ጠቒሱ።

ኣብ ታሕሳስ 28 ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፡ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ን13 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ መግቢ ሓገዝ ዓዲሉ።

ብመሰረት እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ 240 ሜትሪክ ቶን ረድኤት'ውን ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ንዝርከቡ 12,170 ስደተኛታት ተዓዲሉ ኣሎ።