ቅልውላው ትግራይ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ቅትለትን ጭውያን' ከምዘጋጠሞም ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

ፊሊፐ ግራንዲ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Jean Marc Ferré

ኣብ ክልተ መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት 'ቅትለትን ጭውያን' ከምዘጋጠሞም ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኩነታት ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት "ኣዝዩ ኣሻቒሉኒ ኣሎ'' ክብል ሓላፊ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ተዛሪቡ።

እቶም ኣርባዕተ ማዕስከራት ዝርከቡ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝተዓቚቡ ስደተኛታት ኣስታት 100, 000 ከምዝኾኑ ጸብጻት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።

ፊሊፐ ግራንዲ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝርከቡ ስደተኛታት "ቅትለትን ጭውያን" ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ "ርጡብ ጸብጻባት" ከምዝበጽሖ ጠቒሱ።

"ብዛዕባ ጸጥታዊ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ክልቲኦም መዓስከራት ዘለዉ ስደተኛታት ኣዝየ ተቓቒለ ኣለኹ" ይብል እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት።

ኣብቲ ከባቢ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተራእየ ዝሓበረ ፊሊፐ ግራንዲ፡ ብሳተላይት ዝተሳእለ ሓበሬታ ከምዘርእዮ ኣብተን መዓስከራት ባርዕ ሓዊን ዕንወትን ምርኣዩ "ዓቢ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ" ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

"ዋላ'ኳ ብተደጋጋሚ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ክንኣቱ እንተ ሓተትና ክሳብ ሕጂ ኣይተፈቕደልናን" ድማ ኢሉ።

"ገለ ካብቶም መዓስከራት ሃዲሞም ናብ ከተማ ሽረ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ብጥምየት ማሲኖም ንዘይርከብ ሓገዝ ይልምኑ ኣለዉ" ብምባል ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ሓደ ዳህሳሲ ጉጅለ ናይ ትካል ኣብተን ካልኦት ክልተ መዓስከራት፡ ዓዲ ሓሩሽን ማይ ዓይኒን ናብ ዝርከቡ ስደተኛታት ከምዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ትሕተ ቅርጺ ኣግልግሎት ማይን ድሩት ሕክምናን ከምዘተዓራረዩ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ'ቲ ብ4 ሕዳር እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቒቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ መዓስከራት ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ቦታ ስለዝርከብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ትግራይን ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ኣብቲ ክልል ዓቢ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ።

ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 55 ሽሕ ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተፈናቒሎም ኣለዉ። ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም።