ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ካብ ሳብማሪን ዝውንጨፍ ሚሳይል ምምዕባላ ኣፍሊጣ

ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሜን ኮርያ 14 ጥሪ 2020

ምንጪ ስእሊ, KCNA

ሰሜን ኮርያ "ኣብ ዓለም ካብ ዝርከብ ኣጽዋራት ዝሓየለ" ምዃኑ ዝገለጸቶ ብዓይነቱ ሓድሽ ዝኾነ ካብ ሳብማሪን ዝትኮስ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ከምዘማዕበለት ኣፍሊጣ።

ኣብቲ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ዝተዓዘቦ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ብርክት ዝበለ ሚሳይላት ቀሪቡ ምንባሩ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ጸብጺባ።

እቲ ናይ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ምርኢት፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ስልጣን ቅድሚ ምርካቡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣሜሪካ "ዝዓበየት ጸላኢት" ሃገሩ ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ብመራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ስእልታት ብውሑዱ ኣርባዕተ ጸሊምን ጻዕዳን ዝሕብሩ ዓበይቲ ሚሳይላት ተራእዩ።

ተንተንቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ኣጽዋር ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።

ኪም ጆንግ-ኡን ነቲ ኣጋር ሰራዊት፡ ኣጽዋርን ታንክታትን ዝቐረበሉ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣብ ዝዕዘበሉ ዝነበረ እዋን ተሓጒሱ ኢዱ ከወዛውዝ ተራእዩ።

"እቲ ካብ ዓለም ዝሓየለ ብረት፡ ካብ ሳብማሪን ዝውንጨፍ ባሊስቲካዊ ሚሳይል፡ ሓደ ድሕሪ ካልእ ናብ መድረኽ ይኣቱ ኣሎ፤ እዚ መርኣያ ዓቕሚ ሰውራዊ ሰራዊት እዩ" ኢሉ መንግስታዊት ማእከን ዜና ኬሲኤነኤ።

ኣብ'ቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ቀሪቡ ዝነበረ ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር ዝውንጨፍ ባሊስቲካዊ ሚሳይል ንምርኢት ኣይቀረበን። እቲ ዓርሞሸሽ ብረት፡ ኒኩለር ተሰኪሙ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኣሜሪካ ክሃርም ዓቕሚ ከም ዘለዎ ይእመን።

ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ኣብ ነፈሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣሜሪካ "ዝዓበየት ጸላኢት" ሃገሩ ምዃና ብምግላጽ፡ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ፒዮንግያንግ ዘለዋ ፖሊሲ ክትቕይር ትጽቢት ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ ነይሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኒኩሌራዊ ኣጽዋራታን ወተሃደራዊ ዓቕማን ክተደንፍዕ ምዃና ተመባጺዑ እዩ።