ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ብኮቪድ-19 ሞይቱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ሲቡሲሶ ሞዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ሲቡሲሶ ሞዮ፡ ብኮቪድ-19 ከምዝሞተ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ወታሃደራዊ ጀነራል ዝነበረ ሞዮ፡ እቲ ንዚምባብወ ንብዙሕ ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፡ ብወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ እዩ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ረኺቡ፡፡ ንሱ ሓደ ካብቶም ንሙጋበ ስልጣኑ ከረክብ ዘገደዱ ጀነራላት’ዩ ነይሩ።

ካብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ዚምባብወ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ይውስኽ ኣሎ፡፡

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ፈለማ ካብ ዝርከብ ንድሓር፡ 28,675 መልከፍቲ ዝተመዝገበ ኮይኑ 825 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ፡፡

ልዕሊ ፍርቂ እቲ ዛጊድ ዝተመዝገበ መልከፍቲ፡ ድሕሪ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ዝተመዝገበ ከምዝኾነ ሮይተርስ ገሊጹ። እቲ ወሰኽ መልክፍቲ ብምኽንያት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንበዓል ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሰባት ከምዝኾነ’ውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀልጢፉ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ዘለዎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ምስተኸሰተ፡ ቁጽሪ ዝልከፉ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡

ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ዝተለኸፉዋን ልዕሊ 38 ሽሕ ዝሞቱዋን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ብዝሒ መልከፍትን ሞትን ዘመዝገበት ሃገር እያ፡፡

ሲቡሲሶ ሞዮ፡ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ካልኣይ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ዚምባብወ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ጡረተኛ ጀነራልን ሚኒስተር ሕርሻን ዝነበረ ፐራንስ ሺሪ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ እዩ፡፡

ብሞት እቲ ሚኒስተር ዝሓዘነ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ምናንጋግዋ፡ ጆርጅ ቻራምባ፡ ‘‘መዋእሉ ንነጻነት ዚምባብወ ዝተቓለሰ ሓቀኛ ጅግና’’ ክብል ገሊጽዎ፡፡

ኣብ ጎረቤት ሃር ማላዊ ድማ፡ ፕረዚደንት ላዛረስ ቻክወራ፡ ብሸለልትነት ኣብታ ሃገር ንዘጋጠመ ወሰኽ መልከፍቲ ንባዕሉ ምውቃሱ ይዝከር፡፡

ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊድ ሓያሎ ሚኒስተራት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።